Home ዜና ሸውሃት መስቀል ኣደባባይ

ሸውሃት መስቀል ኣደባባይ

1427
0

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ነታ ኣብ ኢዱ እትሕምሸሽ ዘላ ሃገር ደሓን ከም ዘላ ንምምሳል ኣፀባቢቑ ንምግላፅ እኳ እንተፈተነ፤ እቶም ከድሕኑኒ ኢሉ ዝሃንፆም ዘሎ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ መድረኽ ዓለም ተዋሪዶም እዮም፡፡

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ኣብ ዘውፀአኦ በዓል 245 ገፅ ሰነድ ከም ዘማላኸቶ ትካላት ፀጥታ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምጥፋእ ብቐጥታ ዝተሳተፉን፤ ዘራያቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን እንትፍፅሙ ከለላ ኮይኖም ዘይምርካቦምን ገበነኛታት እዮም ክብል ሰይመምዎ እዮም፡፡

ዝተዓጠቐ ሰራዊት፣ ጋዕገልጠም ኣፅዋራትን ዝተኣከበ ሰብን ብዝረኣየ ቁፅሪ ዘይሰዓር ኮይኑ ዝስመዖ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብግዲኡ፤ ነታ ብኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ሃገራትን ኲናት ሕድሕድን እትሕመስ ዘላ ሃገር ኣብ ኣደባባይ መስቀል ተረኺቡ ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን ክብል ምዝራቡ ንብዙሓት መገረሚ ዘረባ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ከፍርሱ ዝመፁ ኩሎም ክፈርሱ እዮም ክብል ዝዛረብ ዘሎ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ባዕሉ የፍርሳ ምህላዉ ዝስማዕምዑ ብዙሓት እዮም፡፡ ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ጉንበትን 2014 ዓ.ም ጥራይ ናብ 3 ሽሕ ዝፅግዑ ዝተወደቡ ጎንፅታት ምፍፃሞም ዝሓበረ መግለፂ ሬሊፍ ዌብ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፍነት ዝስመዖ ስርዓት ስለ ዝተስኣነ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ እዩ፡፡

ብሞይኦምን ስነ-ምግባሮምን ምስጉናት ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ስለዘለዉና ክብሪ እንህበሉ መዓልቲ መሪፅና ክብሪ ንህቦም ኣለና ክብል ዝተዛረበ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝፈፀመን ብደረጃ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛ ተባሂሉ ንዝተሰየመ ፖሊስ ክብሪ ክህብ ምርኣይ፤ ሕሱር ማዕረ ነብሱ የፍኩሰካ ካብ ምባል ወፃኢ ካሊእ ምስክርነት ኣየድልዮን፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣሽንኳይ’ዶ ደጀን ሃገር ኮይኑ ደው ክብል፤ ኣብ መንጎ ክልላትን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ጎንፅታት ናይ ምፍታሕ ብቕዓት ዘይብሉ፣ ኣብ ኣምሓራ ብሸፋቱ ፋኖ፣ ኣብ ወላይታን ደቡብ ኦሞን ብከባቢያዊ ዕጡቓት ከምኡ ድማ ኣብ መስመራት ንግዲ ጅቡቲን ኣዲስ ኣበባን ዝርከባ ከተማታት ብሓዊ እንትቃፀላ፤ ምንም ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ዝሓደረ ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ ዝተመስከረ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብደረጃ ሃገር ተሪፉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝግበሩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ብሰላም ሓልዩ ክሳብ መወዳእታ ከብፅሕ ዘይከኣለ ፌደራል ፖሊስ፤ ኣብ በዓል ጥምቀትን ዒድን 2014 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጓነፈ ጎንፂ እኹል ምስክር ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleዳግም ምጥያሽ ፖሊስ ትግራይ
Next articleቅትለት ተወለድቲ ኦሮሞ