Home ዜና ሽልማትን ኣፍለጦን ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

ሽልማትን ኣፍለጦን ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

815
0

ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ካብ ትካል ሕርሻ ዓለም ሽልማት መዓረግ ሎሬትነት ምርካቦም መሰረት ብምግባር ማሕበረሰብ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን መድረኽ ኣፍልጦ ብምድላው ሽልማት ክብሪ ኣበርኪቱሎም፡፡

 ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ መነባብሮ ሓረስታይ ንምልዋጥ ዓብዪ ግደ ከምዘበርከቱ ዝሓበሩ መስራቲን ዳይሬክተርን ትካል ገበሪ ሰናይ ኤልሻዳይ ኣይተ የማነ ወልደማርያም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀባ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ዘመዝግቦም ዘለው ዓወታት ምልክት ሰዓረይነቱ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ ዝኾነ ዓውዲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንምልማዕ ዓብይ ተራ ከምዝተፃወቱ ዝገለፁ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ትግራይ ብዓውዲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንክትዓቢ መንእሰይ ወለዶ ኣሰር እቶም ምሁር ክስዕብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡  

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃ ብወገኖም  ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣብ ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብ ዘለዎም ውህሉል ተመክሮ ብተወሳኺ ኣብ ምሕንፃፃን ምትግባርን ፖሊሲ ሕርሻ እውን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡

ብብርኪ ዓለም ረኺበዮ ዘለኹ ሽልማት ናይ በይነይ ፃዕሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ጥንካረን ድጋፍን እዩ ዝበሉ  ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብግደኦም ትግራይ ብዘለዋ ሃፍተ ገነትን ሓይሊ ሰብን ናብ ዝሐሸ ብርኪ ምዕባለ ከምትሰጋገር ኣረዲኦም፡፡

ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣብ ልምዓት ዓወዲ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብዘሰለጥዎ ዓበይቲ ስራሕቲ ካብ ላዕለዎት ትካላት ሕርሻ ዓለም ሽልማት መዓረግ ሎሬትነት ምርካቦም ዝዝከር እዩ፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleፆሙ ዝሓድር መሬት ኣይህሉን
Next articleፋሽስቱ የአብይ ቡድን አሁንም ሰብአዊ እርዳታ ወደ ትግራይ ያለ ምንም ቅድመ ኔታ እንዳይገባ እንቅፋት መሆኑ ተገለፀ፡፡