Home ዜና ሽልማት ባንኪ ወጋገን

ሽልማት ባንኪ ወጋገን

403
0

ባንኪ ወጋገን ኣብ መዛዘሚ መበል 25 ዓመት በዓል ኢዮቤልዩ ምስረትኡ ን17 ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስትን ትካላት ምግባረ ሰናይን ሽልማት ቅርሺ ኣበርኪቱ።

መበል 25 ዓመት በዓል ኢዮቤልዩ ምስረታኡ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከኽብር ዝቐነየ ባንኪ ወጋገን 26/09/15 ዓ/ም ኣብ ዘሳለጦ ናይ መዕፀዊ መድረኽ ን17 ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስትን ትካላት ምግባረ ሰናይን 18 ሚልዮን ቅርሺ ሽልማት ብምሃብ ዛዚሙ።ኣብቲ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ብፍሉይ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ፣ማእኸል መሕብሐቢ ኣረጋዉያንን ህፃናትን ፍሬመናጦስ፣ማእኸል ፊዝዮ ቴራፒ ትግራይ ነንሕድሕዶም 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ሽልማት ኣበርኪቱ ።እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ፀገም ሕ/ሰብ ንምፍታሕ ኣብ ምግባረ ሰናይ ብዘካየድዎ ንጥፈታት ነንሕድሕዶም 500 ሽሕ ቅርሺ ሽልማት ኣበርኪትሎም።

#ጥዕማይ ገዛኢ

Previous articleሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ
Next articleማሕበር ልምዓት ተወለድትን ፈተውትን ጣብያ ጉለ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ጉለ ዝርከቡ ልዕሊ 1100 ተምሃሮ ኣስታት 380 ሽሕ ብር ዝዋግኦም ናውቲ ትምህቲ ሓገዝ ኣበርኪቶም።