Home ዜና ቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)

ቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)

ብሽም ምምላስ ሰሎሞናዊ ሰርወ መንግስቲ ሽርሒን ተንኮልን ሸዋውያን ተጠቒሙ ብ1262 ዓ/ም ስልጣን ዝጨበጠ ይኩኖ ኣምላኽ ስልጣን ዝሓዘ ብሓገዝ ኣብ ገዳም ሃይቂ #እስጢፋኖስ ዝፀንሑ ኣባ #ኢየሱስ ሞዓን ኣባ ተክለሃይማኖትን ዝተብሃሉ ፈለስቲ እዩ፡፡ እዞም ዓለማዊ ሂወት ገዲፎም መንፈሳዊ ህይወት ንምስጓም ኣብ ገዳም ኣቲና ክብሉ ዝፀንሑ መነኮሳት፤ ካብቲ ንፈጣሪኦም ዝኣተዉዎ ቃል ብምውፃእ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ምጭብርባር #ታሪኽን ተደሪኾም፤ ሽርሕን ተንኮልን ወሲኾም ይኩኖኣምላኽ ምንጋስ ክኢሎም፡፡ እዞም ፈለስቲ ኣብ ትግራይ ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ እምነትን #ስነ-መለኮትን ብምሽርሻር ንነዊሕ እዋን ኣማዕቢልዎ ዝፀንሐ ሃይማኖታዊ ፅንዓት ብምብራዝ ነቲ ካብ ትግራይ ልዑል ሃይማኖታዊ ድጋፍ ዝነበሮ ንግስነት #ኣገው #ኩሽቲክ ዝብል ስም ብምልጣፍ ስልጣን ከምዘይግበኦ ኣብ ነበረያ ነበረ ዝተደረኸ ታሪኽ ብምፅሓፍ ካብ ትግራይ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከይረክብ ገቢረምዎ፡፡ #ስርወ ንግስነት #ዛጉዌ ዉፅኢት #ኣኹሱማዊ ኪነ-ጥበባትን ስልጣነን ዝኾኑ ኣብ #ላሊበላን ከባቢኣን ካብ ዝሃነፆም ገዳማት ብተወሳኺ ኣብ ታሪኽ #ኣቢሲንያ ሰላማዊ ዝኾነ መሪሕነት የካይድ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ስርወ-ንግስነት ዛጉዌ ተሰኒዱ እዩ፡፡ በቲ እዋን ኣብ ዙርያ ባሕሪ ሜዲተራኒያንን ቀይሕ ባሕሪን ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት እስልምና ፅልዋ ከየሕደረሉ ልክዕ ከም ነገስታት ኣኽሱም ሰላማዊ ርክብ ፈጢሩ ይጓዓዝ ኔሩ፡፡ እስራኤል ከም ሃገር ካብ ካርታ ጠፊኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከይተረፈ፤ ምስ ንግስነት #ፍሊስጢኤም ብምርድዳእ እዞም ክሳብ ሕዚ ብኦርቶዶክስ #ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ገዳማት ብሽም #ኦርቶዶኩስ ሓበሻ ክህነፁ፤ ብተመሳሳሊ ድማ ካብ 7ይ ክ/ዘመን ጀሚሩ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ክስፋሕፋሕ ዝፀንሐ ሃይማኖት እስልምና ብዘይ ምንም ተፃብኦ ሃይማኖታዊ ልኡኹ ብነፃነት ክፍፅም ሙሉእ መሰል ሂቦም፡፡ እዞም ሽዋዉያን ካብ መሰረቶም ኣብ ተንኮልን ምስፍሕፋሕን ዝተደረኸ ሸውሃት ዘለዎም ብምዃኑ በትረ ስልጣን ንግስነት ካብ ምጭባጥ ወፀኢ ካሊእ ሕልሚ ኣይነበሮምን፡፡ ብምዃኑ ድማ ንነግስታት ዛጉዌ ብደረጃ ዓለም ዝነበሮ ዝናን ብምኽሓድ ኣብ ሓሶት ዝምዘዝ ሓቲት ክነዝሑ ጀሚሮም፡፡ ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበረ ምዕባለ ሕብረተሰብ ብምትሕሓዝ፤ መሰረት ፍልስፍናን መሪሕነትን ዝነበረ ትግራይ ካብ ንግስታት ኣገው ፈሊዮም ንምውቃዕ ተጠቒመምሉ፡፡ ስነ-ልቦና ትግራይ ክልወጠሉ ዝኽእል ብሕታዊ ተግባር እውን ብሃይማኖት ሽፋን ዝተላዕጠጠ ምንቅስቓስ እዮም ተኸቲሎም፡፡ #ክርስትና ናብ ትግራይ ቅድሚ ምእታው ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ብኣተሓሳስብኡ ሒዝዎም ዝመፀ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባዊን መስርሕ ምስቲ ዝመፀ ሃይማኖት ኣዛሚዱ ክትግብሮም ፀኒሑ፡፡ #ኦርቶዶክስ ከም ሃይማኖት እንትመፅእ ይኹን እስልምና እንትስዕብ ኣብ ሓድነትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ርክብን ዝፈጠረሉ ፍልልይ ኣይነበረን፡፡ ተጋሩ ክሳብ ምምፃእ ሽዋዊ ንግስነት እውን ዝሓሸ ስነ-ልቦናዊ ልዕልነት ሃኒፆም ዝነብርሉ ታሪኽ ንዕዘብ፡፡ ንግስነት ይኩኖኣምላኽ ብመነኮሳት ሃይቂ ስጢፋኖስ (ኢየሱስ ሞዓን ተክለሃይማኖትን) እናተመርሐ መንግስታዊ ስልጣን ዛጉዌ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዘሕደገሉ እዋን ከይተረፈ፤ ኣተሓሳስባን ልዕልነት ስነ-መለኮትን ብኣኹሱማዊያን ዝተነደቐ ምንባሩ ይዝከር፡፡ እዙይ ከይፈረሰ ድማ ንነዊሕ እዋን ንግስነት ሽዋ ተረጋጊኡ ከሰጉም ከምዘይኽእል ተረዲኡ፡፡ ምኽንያቱ መንግስታዊ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ንግስነት ዛጉዌ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፤ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ፅልዋ ንግስነት ኣኹሱም ተጠናኺሩ ብምቕፃሉ፤ ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት ከይተረፈ ልዑል ተሳትፎ ነይርዎም፡፡ ግን ከዓ ንግስነት ይኩኖኣምላኽ ስዒቡ ተጋሩ ኣብ መንግስታዊን ሃይማኖታዊን ጉዳያት ዝነበሮም ተሳትፎ ካብ ምቕናስ ክሳብ ጠቅሊሉ ምቁራፅ በፂሑ፡፡ ኣብቲ መሰረት #ፍልሰፈናን ልዕልነት ኣተሓሳስባን ኮይኑ ክምርሕሉ ዝፀንሐ ከባቢታት ትግራይ፣ #ምድሪ ባሕሪን፣ ጎንደርን ግና ስርዓት ኣወዳድባ ሃይማኖት፣ ርክብ ማሕበረሰብ፣ ዓለምለኻዊ ንግድን #ዲፕሎማስን ቀላሳይነት ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ኔሩ፡፡ መንግስታዊ ስልጣን ተረኪቡ ክንሱ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ሓድነትን ቀላሳይነትን ትግራይ ሕማም ርእሲ ዝኾኖ ይኩኖኣምላክ ማሕበራዊ ርክብ ትግራይ ፈሪሱ ብልዕልነት ሽዋዊ ኣተሓሳስባን ስነ-መለኮትን ንምትካእ ከበድቲ ፃዕርታት ክገብር ጀሚሩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተነዲቑ ዝቐፀለ ማሕበራዊ ዝምድና፣ ስነ-መሎኮትን ኣተሓሳስባን ከይፈረሰ ድሌት ሽዋዊያን ኣብ መወዳእታ ከም ዘይበፅሕ ተረዲኡ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ መነኮሳት #ቤተ-ኣማራ (ኤረር) ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ኣእቲዮም ድሌታቶም ዝፍፅምሉ መስርሕ ንምትእትታው ልዑል ፃዕሪ ጀሚሮም፡፡ ፃዕሮም ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ድማ ኣብቲ እዋን ቀንዲ መራኸቢ ገመድ ኣብ ዝነበረ #ሃይማኖት ብምትኳር ኣብ ምብትታን ማሕበራዊን ስነልቦናዊ ኣተሓሳስባን ህዝቢ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ውዲት ክፍሕሱ ጀሚሮም፡፡ በትረ ስልጣን ሽዋዊያን ንምድልዳል ኣብ ውሽጢ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ልዑል ፍልልይ ክህሉ ብምግባር መነኮሳት ካብቲ ንፈጣሪኦም ዝኣተውዎ መፅበዓ ወፂዮም ኣብ ዓለማዊ ንሕንሕ ኣእቲዮምዎም፡፡ ኣብ #ምድሪ ሓበሻ ንዘመናት ተነዲቑ ዝፀንሐ ስርዓተ #ኣምልኾ (ዶግማ) #ኦርቶዶክስ ብቀኖናዊ ኣተሓሳስባ ሽዋዊያን ንምልዋጥ ኣባ ኢየሱስ ሞዓ /1211-1292/ ሃይቂ፣ ኣባ ተኸለሃይማኖት /1215-1313/ ደብረሊባኖስ ዝምራሕ ቤተ ኣማራዊ ፍልስፍና እናጎልሀ መፅዩ፡፡ እዙይ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ድማ እቲ ብተንኮልን #ፖለቲካዊ ሽርሒን ዝፍለጥ ተምሃራይ ኣባ እየሱስ ሞዓ ዝነበረ #ኣባ ተክለሃይማኖት /1215-1313/ ቀኖና ቤተክርስትያን ብዘይፈቕዶ ተንኮል ሽዋዊያን ንዓርሱ ፃድቕ ዝብል ሹመት ብምልጣፍ፤ ብስሙ ዝፍለጥ አቋቋም (ስርዓተ ዝማሬ) ሃንዲሶም፡፡ እየሱስ ሞዓ ድማ ኣብ #ቤተ-መንግስቲ ይኩኖኣምላኽ ወሳናይ ቦታ ብምሓዝ ዓቀቤ-ንዋይ ብዝብል ተሾይሙ፡፡ ተንኮልን ከይዲ ጉዕዞ መነኮሳት ሽዋን ብዝግባእ ዝተረደአ ኣባ #እዎስጣጤዎስ /1273-1353/ ዓ.ም ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 900 ዓመታት ክትግበር ዝፀንሐ #ዶጉማን #ቀኖናን ከይተለወጠ ፀኒዑ ንኽቕፅል ዝከኣለሉ ፃዕሪታት ምግባር ጀሚሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መንጎ ታሪኽ ከዛብዑ ዝተልዓሉ ሽዋዊያንን ኣብ ፅኑዕ እምነቶም ደው ዝበሉ #እዎስጣጤዎሳዊያንን ዓብይ ሃይማኖታዊ ንሕንሕ ተፈጢሩ፡፡ እቲ ፍልልይ ቀስ ብቐስ ካብ ሃይማታዊ ንሕንሕ ናብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ንሕንሕ ሰሜንን ደቡብን ክዓቢ ክኢሉ፡፡ ምንቅስቓስ ሰሜን ብወታደራዊን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምንቅስቓሱ ዝለዓለ ፀብለልትነት ሒዙ ዝፀንሐ ኮይኑ፣ ብእዎስጣጠዎሳዊያን ዝምራሕን ማእኸሉ ትግራይ ኮይኑ ካብ ምፅዋዕ ክሳብ ጐጃምን ዳሞትን ማለት እውን ኤርትራ፤ ትግራይ፤ ጎንደር፤ ጎጃም ዝሓቖፈ፣ ኣብ መንጎ ማሕበረ ቁጠባ እቲ ሕብረተሰብ ልዑል ርከብ ዝነበሮ፣ ምስ ኣዕራብን ባሕረኛታት ኣውሮፓን ዝሓሸ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ምትእስሳር ክገብር ዝፀንሐን እዩ፡፡ ብኣባ ተክለሃይማትን እየሱስ ሞዓን ዝምራሕ ደቡባዊ ኣተሓሳስባ ብግዲኡ ብሽም #ሰሎሞናዊ ሰርወ ንግስነት ስልጣን ዝሓዘ እኳ እንተኾነ፤ ወዲ ሰልሞን ዝነገሰሉን ንነዊሕ ዓመታት ብሽም #እብነ ኣልሒኩም/ምንሊክ/ ልዑል ስራሕ ዝተሰረሐሉን ከባብታት ትግራይ ኤርትራን ዘይሕቆፍ፤ ካብ መጀመርያ እውን ኣብ ምንጭብርባር ዝተመስረተ ንግስነት ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ብደረጃ ብቕዓት ምስ እንዕዘብ እውን መንግስታዊ ስልጣን ካብ ምሓዝ ዘሊሉ እዙይ ዝበሃል ፅዕንቶ ዘይነበሮን መንበረ ንግስነት እኳ ብዝግባእ ዘይሃነፀን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣብ ዘበነ ንግስና ይኩኖኣምላኽ ብክልቲኦም ፈለስቲ (ተክለሃይማኖትን እየሱስ ሞዓን) ዝተጀመረ ፕሮጀክት ኣተሓሳስባ ትግራይ ብምብራዝ መዋቕራዊ ለውጢ ምምፃእ ብምዃኑ፤ ካብ ዘመነ ንግስነት ይኩኖኣምላክ 1262 ዓ.ም ክሳብ ዘበነ ንግስነት ገላውዲዮስ 1527 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ ልዕሊ 260 ዓመታት ኣተሓሳስባ ትግራይ ብምብራዝ ብቤተ-ኣማራዊ ነበረያ ነበረ ክልወጥ ልዑል ህልኽን ደምዘቃብእ ውግእን ክግበሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣተሓሳስባን ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ትግራይን ከይብረዝ ፀኒዖም ክቃለሱ ዝፀንሑ ኣቦታትን ምሁራት ትግራይ፤ በብእዋኑ እናጎልሁ ዝመፁ ኮይኖም፤ ኩሎም ዘመሳስሎም ድማ ኣብ ልዕሊ መንነቶም ዝመፁ ተፃብኦታት ዝተፈላለዩ ስልትታት ምሂዞም ዓርሶምን ህዝቦምን ከድሕኑ ክኢሎም፡፡ ብኣንፃሩ ነገስታት ቤተ-ኣማራ ኣተሓሳስባን ስነ-መለኮትን ትግራይ ለዊጡ በቲ ንሱ ዘምፀኦ ድቓላ መንነት ንምፅዓን ፈላማይ ወፍሪ ምጥፋእ ህዝቢ ዝኣወጀሉ እዋን ኔሩ፡፡ ምንቅስቓስ #ደቂቀ እስጢፋኖስ፤ ድሕሪ ኣባ ኣዎስጣጢዎስ እቲ ዝዓበየ ምንስቃስ ተጋሩ ዝተርኣየሉ እዩ፡፡ ታሪኽ፣ ባህሊን መንነትን ትግራይ ከምኡ ድማ እምነትን ፍልስፍናን ትግራይ ዝለዓለ ብራኸ ሒዙ ክዓቢ ዝገበረ እዚ ምንቅስቃስ፤ መበቆሉን ዕቤቱን ሃይማኖታዊ ባህሪ ዝራኣየሉ እኳ እንተነበረ፤ መንነት ትግራይ ሓሊኻ ንምዝላቕ ዝተገበረ ቃልሲ ምኻኑ ከይዲ እቲ ቃለሲን ዘስዓቦ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ምርኣይ ይከኣል፡፡ 5 ዓበይቲ ጥራዛት (ፍልስፍና፣ ምርምር፣ ታሪኽ፣ ስነ-ጥበብን ሃይማኖታዊ ስነ-ሞጎትን) ብምሓዝ ዓለማዊን ሃይማኖታዊን መምርሒታት ዝሓዙ እዞም ጥራዛት፤ ህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት ዝሓልፍ ተግባር ፈፂሞም፡፡ ግፍዓውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ ዓፀባ ምስ እንዕዘብ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመነ #ውቤ፣ ምንሊክ፣ ሃይለስላሰን ከምኡ ድማ ፋሽስታዊ ወራሪ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበርዎ ከይዲ ምፅናት ህዝቢ ተመሳሳሊን ሓደ ዓይነትን ምንባሩ ብትእዛዝ #ዘርኣያቆብ ኣብ ገፅ ተጋሩ ክሰፍር ዝተገበረ ምልክት ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል፡፡ ምንቅስቓስ ኣባ #ስጢፋኖስ ዝቓላይ ኣብ ዘበነ ንግስነት ሃፀይ ይስሃቅ (1414-1429 ዓ.ም) ጎሊሁ ዝወፀን ምሁራት ትግራይ ናብ መጋባእያ እቲ ንጉስ ቀሪቦም ኣብ ኣደባባይ ስዒሮም ዝተመለሰሉን ናይማን ልዕልነት ትግራይ ዝተረጋገፀሉን እዋን ምንባሩ ዶክተር ጌታቸው ሃይለ #"በህግ ኣምላክ" ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣስፊረምዎ ኣለዉ፡፡ እቶም ኣቦታት ሃይማኖታውን ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ትግራይ ኣብ ቅድሚ እቶም ንግስነት ጨቢጦም ዝነበሩ መራሕቲ ሽዋ ልዑል ፀቕጢን ድንጋፀን ዝፈጠረ ኮይኑ ሓሊፉ፡፡ ስነ-መለኮታውን ስነ-ልቦናዊ ልዕልነት ሒዞም ዝተመለሱ ምሁራን #ትግራይ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ግዘ ባንዳታት፤ ብኣውርኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኮፕቲክ ክርስቲያን ግብፂ ዘሰጐሙ ዝነበሩ ተኸተልቲ ኣባ ተክላሃይማኖት ዘ-ደብረሊባኖስ ብፍላይ ነቶም ብልዕልነት ሽዋ ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝጓየዩ ዝነበሩ ምሁራትን ነገስታትን ደብረ ኤባ ልዑል ራዕዲ ፈጢሩ፡፡ መበገሲ እዚ ራዕዲ ድማ ስነ-ልቦናዊ ኣተሓሳስባ ትግራይ ካብ ትግራይን ሰሜናዊ ክፍልታት ኣምሓራን ባሕሪ ነጋሽን ሓሊፉ ናብ ሕምብርቲ ሽዋ ምእታው ነበረ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መድረኽ ዝተስዓረ ስነ-ሞጐት ሽዋ፤ ተንኮልን መንግስታዊ መሓውርን ተጠቒሙ ኣተሓሳስባ ትግራይ ንምስኳን ዘኽአል ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ፡፡ ኽቕፅል እዩ...

1688
0
Previous articleሓደጋ ዘንፀላለዎ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፅብኦ – ብሉምበርግ
Next articleተሳትፎ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ስራዊት