Home ዜና “ቁሉዕ ወራር ትግራይ ደው ይበል” ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ቴክሳስ ዳላስ

“ቁሉዕ ወራር ትግራይ ደው ይበል” ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ቴክሳስ ዳላስ

956
0

—–

ኣብ #ቴክሳስ ዳላስ ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ #ትግራይ ይፍፀም ንዘሎ ኩለንተናዊ በደልን ግፍዕን ንምቅላዕን ኣገንዝቦ ንምፍጣርን ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

ጋዜጣ ዘ ዳላስ ሞርኒንግ ኒውስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቁሉዕ ወራር ካብ ዝፍፀም ልዕሊ 600 መዓልታት ኣቑፂሩ ምህላውን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነዚ ተገንዚቡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ከብል ዝኽእል ስጉምቲ ክወስድን ኣብ ሰሜን ቴክሳስ ከተማ ዳላስ ዝመንበሪኦም ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዘሳለጥዎ ሰለማዊ ሰልፊ ፀዊዖም ኢሉ፡፡

ኣብቲ ሽዱሽተ ሚኢቲ መዓልትታት ዘቑፀረ #ጀኖሳይድ ትግራይ ደው ይበል ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ተዓጂቡ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ሰብ ስራሕ ዓፀቦ ደው የብል፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው #ኣሜሪካ ስጉምቲ ትውሰድ ፡ ብሰኔት ኣሜሪካ ዝቐረበ ኤስ 3199 ይፅደቕ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት በቶም ሰልፈኛታት ዝቐረቡ ኮይኖም ወተሃደራዊ ጎንፂ ብህፁፅ ደው ኢሉ ኣብ ትግራይ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ቴሌኮሚኒኬሽን ፡ ባንኪ ፡ ሓይሊ ኤሌትሪክን መጓዓዓዝያን ክጅምሩ ድማ ፀዊዖም፡፡

ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ኣብዞም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ሚኢቲ መዓልታት ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ በደላት ንምቅላሕን ባንኪ ዓለም ንፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ፋናንሳዊ ደገፍን ድማ ደው ከብሎ ዝፅውዕ ሰልፊ እዩ ክብል ሓደ ካብቶም ነቲ ሰልፊ ዘተሓባበሩ ኣይተ ዳኒኤል ሓደራ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዳላስ እትቕመጥ ሰላም ኣየለ ብወገና ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ካብ ዓመተ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ጀሚሩ #ኲናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው ወለዳን ኣሕዋታን ክትራኸብ ከምዘይካኣለት ብምግላፅ ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና ኢላ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ድማ ተሓቢሩ ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ውሕስቲ ትግራይ
Next article“ትግራይ ብክእለትና ክንሃንፃ ኢና።”መናእሰይ ሰርከስ ወወክማ መቐለ