Home ዜና ቃሎም ዝሃቡ ሓመድ ፈሲስዎም፡፡

ቃሎም ዝሃቡ ሓመድ ፈሲስዎም፡፡

740
0

——–

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ/ም ናብ #ሽረ እንዳስላሰ ተንቀሳቂሱ ነታ ኣብ ፀልማት ናብራ ትነብር ስድራ ወ/ሮ ስላስ ኣዘራሪቡ ነይሩ፡፡

ወ/ሮ ስላስ ምርኣይ ዝተስኣነን እንትኾና በዓል ገዝአን ኣይተ  ወለገሪማ ካብ ሑመራ ናብ ሽረ እንዳስላሰ ጥዑይ  መፂኦም ብሰንኪ ዓፀባ ለሚሶም ኣብ ዓራት እዮም ነይሮም፡፡ ዓበይ ጓለን ምስ ኤች ኣይቪ ኤድስ እንትትነብር ንእሽተይ ጓለን ብመጥባሕቲ ተገላጊላ ኣብ ፀገም ኣላ፡፡

ኣብ ወርሒ ሰነ ወ/ሮ ስላሰ ሓመድ እዮ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና ኢለን ነይረን፡፡  ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ መፋርቅ ሓምለ 2014 ዓ/ም ናብቲ ቦታ ተንቀሳቂሱ ንበዓል ገዝአን ኣይተ ወለገሪማ ደጊሙ ከዘራርቦም ኣይከኣለን ሓመድ ፈሲስዎም ኣሎ፡፡

ሕዚ እውን ስድራ ወ/ሮ ስላስ ኣብ ርእሲ ጥሜት ሓዘን ተወሲኽዎ ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ኣሎ፡፡ሕርጓቶ እንጀራ እናበልዓ መዓዝ ኮን ይወግሕ ኢለን ብፀሎት ሰማይ እንተቃዕርራ ሰማይ ግን ጨኪኑ ኣሎ፡፡እዚ ፀገም ወ/ሮ ስላስ ኣብ መላእ ተመዛባሊ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ቃንዛ እዩ፡፡

ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ኣብ ወርሒ ጉንቦት 64  ኣብ ወርሒ ሰነ 102 ክሳዕ መፋርቅ ድማ 180 ተመዛበልቲ ሞይቶም ኣለው፡፡

እቲ ሞት በቢ እዋኑ ብዕፅፊ እናወሰኸ እዩ፡፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ዝተዓቆቡ ተመዛበልቲ በቢእዋኑ ሓገዝ ክበፅሐሎም እኳ እንተተማሕፀኑ ክሳዕ መፋርቅ ሓምለ 2014 ሓገዝ ኣይረኸቡን፡፡

ተመዛበልቲ ሓገዝ ዝረኽበሉ እቲ ዝነወሐ 13 ወርሒ ዝነኣሰ 7 ወርሒ እንትኾን ንሳ እውን 15 ኪሎ እያ፡፡ ሳላ ህዝቢ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ግዱሳት ሰብሃፍትን ዲያስፖራን ታተ ይብሉ ኣለው፡፡

ሕዚ ግን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓገዝ እንተዘይረኺብና ብጥሜት ንሃልቅ ኣለና ኢሎም ይምሕፅኑ ኣለው፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ገ/የሱስ ፋሽስታውያን ነዳዲ ብምክልኻል ሓገዝ ናብ ተመዛበልቲ ብዘይምብፅሑ ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን 180 ተመዛበልቲ ሞይቶም ከምዘለው ገሊፆም፡፡

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ናብ መቐለ ዝኣተወ እኽሊ ናብ ተመዛበልቲ ከምዘይበፀሐ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

ጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleክልከላ ጉዕዞ ስፓኛዊት ፓውላ ጊል
Next articleተተሊሙን ኮነ ተባሂሉን ደቂ ትግራይ ዝተጨፍጨፉላ ማይካድራ