Home ዜና ቅንዕናን ቆራፅነትን ዝጎደሎ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ስርዓት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ

ቅንዕናን ቆራፅነትን ዝጎደሎ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ስርዓት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ

ልፍንታውያን ሓይልታት ዘሎን ዘየለን ዓቕሞም ኣዋዲዶም ዘራያት ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝፈፀምዎ ቁሉዕ ኲናት ጀኖሳይድ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ንማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ክሳጣሕ ገይሮም፡፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ትግራይ ንኣብዛሓ መሬት ትግራይ ድሕሪ ሓራ ምውፅኡ ስርዓት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ስልቲ ቀይሩ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብክባን ዕፅዋን ከርዲኑ ብሕፅረታት ምግብን መድሓኒትን ክሃልቕ ፈሪዱሉ ይርከብ፡፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ዝበዝሖ ስርዓት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ብ15 መጋቢት 2014 ዓ/ም ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂ ግና ንሰብኣውነት ክባሃል ብዘይምቁራፅ ብመሬትን ኣየርን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምእትው ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ኣቢለ ክብል ገሊፁ እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብ ተመሳሰሊ ዕለት ናብ ኲናት ተገዲዱ ዝኣተዎ እምበር ምርጭኡ ከምዘይነበረ ብምግላፅ በቲ ዝድለ መጠን ዓይነትን ጊዜን #ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ጥጡሕ ባይታ ዝፍጠር እንተኾይኑ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዓሊሙ ዝተፈፀመ ግዝያዊ ተፃብኦታት ደው ምባል ብቁልጡፍ ኣብ ባይታ ክትግበር ድማ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ፀዊዖም፡፡ ዋና ፀሓፊ #ውዱብ ሕቡራት ሃገራት #ኣንተንዮ ጉተሬዝ ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንዮ ቢልንከን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኤውሮጳ #ጆሴፍ ቦሬልን ዳሬርክተር ተራድኦ ኣሜሪካ ዩኤስ ኤይድን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ሕዚ ተፈጺሙ ዘሎ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድሃበ ግዝያዊ ተፃብኦታት ደው ምባል ኣብ ባይታ ብህፁፅ ተተግቢሩ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ክጅመርን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም ሓይልታት ሓላፍነቶም ክፍፅሙን ኣትሪሮም ፀዊዖም እዮም፡፡ ይኹን እምበር ዛጊድ እዚ ዝበሃል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዘይካኣለ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ተፈፃምነት ምልክታት እውን ከምዘየለው ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ እዋናዊ መግለፂ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሬት ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዘይበፅሓሉ ምኽንያት ሰራዊት ትግራይ ከምዘዐንቐፍዎ ዘምስል ጉጉይ ሓተታ ይፈጥር ምህላው ኣብቲ መግለፂ ተመላኺቱ ኣሎ፡፡ ብንኡሱ ኣብይ ኣሕመድ ጊዝያዊ ተፃብኦታት ደው ኣቢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ንምብፃሕ ድሌት እንተሃልይዎ መዳርግቲ እቲ ጉጅለ ዝኾኑን እቲ ሓገዝ ከይባፃሕ ዝዕንቕፉ ዘለውን ኣብ ክልል #ዓፋር ዝርከቡ ሓይልታት ኣደብ ንክገዝኡ ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዘየለን ብካልእ ሸነኽ ድማ ብኣየር ናብ ትግራይ ክበፅሕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምጥንኻሩ ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዘየለ በቲ ጉጅለ ትኹረት ዘይተገበረሎም ጉዳያት እዮም፡፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰሙን ብንኡሱ ሸውዓተ ሚኢቲ ፅዕነት መካይን ይጠልብ፡፡ ስርዓት ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዝንቡዕ ምኽኒታት ካብ ዝውዝዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ኣብ ቅንዕናን ቆራፅነትን ዝተመስረተ ፃዕሪ እንተዘካይድ ነይሩ እዚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ዓፀባ ኣብ ትግራይ ኣይመጋጠመን ነይሩ ይብል እቲ መግለፂ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስምምዕነት ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ዝኣተወ ተግባርን ልምድን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘይምርዳእ ዘይኮነስ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ካብ ዘለዎ ኣብ መትከል ዝተሰረተ መርገፂ ዝተበገሰ እዩ፡፡ ሰበስልጣናት እቲ ስርዓት ዝኣተውዎ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ክሳብ ዘውዕልዎ ድማ እቲ ዝተኸፈተ ዕድል ንምጥቐም ዝዓለመ ከምዘኾነ ዘነፀረ እቲ መግለፂ ሕዚ እውን ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ ትግራይን ጎረባብትን ንክባፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣድላይ ዘበለ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዝገብር ኣስሚሩሉ፡፡ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ህዝባዊ ዋዕላ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ እውን እንተኾነ ደላይ ሰላም ንሓቅን ንርትዕን ንመሰልን ማዕርነትን ዝቃለስን ንዝኾነ ህዝቢ ብሓይሊ ዘይጎብጥን ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ዓለም ህላወኻ ሓሊይኻ ትነብር ሓቂ ጥራሕ ሒዝካ ዘይኮነስ ዘይቁርጠም ሓይሊ እንትህልወካ እዩ ክብሉ ገሊፆም፤ ብሙዃኑ እውን ህዝቢ ትግራይ ዘላቂ ውሕስንኡ ዝረጋገፅ ስሙር ፖለቲካዊ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ምስ ሓይሉ እንትነብር ጥራሕ እዩ ኢሎም፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገ/ዋህድ ብግድኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ክባን ዕፅዋን ዝስበር ህዝቢ ትግራይ ህዝባዊ ቃልሱ እንተሐይልን ዓርሰ ምርኮስኡ እንተበርኽን ሙዃኑ ብምግንዛብ ደጀንን ግንባርን ተዋዲዶም ኣብ ምርግጋፅ ዓርሰ ምርኮሳ ትግራይ ብዝለዓለ ወነ ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም። ኣባል ሰንተራል ኮማንድን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቲውተሮም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ ሕዚ እውን እንተኾነ ጉጅለ ኣብይ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ብምግላፅ እንተኾነ ንሰላም ዘለዎም ድሌት ንምርኣይ ክብሉ ክሳብ መወዳእታ ከምዝቕፅልሉ ኣፍሊጦም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሓርነቱን መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ብፍታው ፀላእቱ ኣብ ሸሓነ ተዋሂብዎ ከምዘይፈልጥ ሕሉፍ ታሪኹ ምስክር እዩ፤ ስለዚ ሕዚ እውን ንሽርሕታት ልፍንታውያን ሓይልታት ካብ ደቂቅ ክሳብ ረቂቅ እናተከታተልና ብምፍሻል ደጀንን ግንባርን ብምጥንኻር ሓድንትና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዘይንቅነቕ ከውሒ እንነድቀሉ እዋን ሕዚ እዩ፡፡ ብፀጋይ መኮነን

1160
0
Previous articleጥምረት ኣቦ ገረባት ዓፋርን ትግራይን
Next articleውፅኢት ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይን ምሕላፍ ረቂቅ ሕጊ HR6600 ን S3199