Home ዜና ቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዘተ ሰላም

ቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዘተ ሰላም

1141
0

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኔቴ ዌበር ኣብ ትግራይ ዝተዓፀዉ ኣገልግሎታት ክክፈቱ፣ ምውፃእ ወረርቲ ሓይሊታትን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣትዉ ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእ  ገሊፀን፡፡

ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ኣድሂበን ምስ ተወካሊ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ደመቀ መኮነን ምዝታየን ዝገለፃ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኔቴ ዌበር፤ ናብ ትግራይ ብምምፃእ ምስ መንግስቲ ትግራይ ተመሳሳሊ ዘተ ከም ዝገብራ ኣፍሊጠን፡፡

እተን ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ፤ ቅድሚ ናብ ከተማ መቐለ ዝገብርኦ ጉዕዞ ምስ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምዝታየን ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ክምኡ ድማ ምስ ኣምባሳደራት ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ጥልያንን እንግሊዝን እውን ተመሳሳሊ ዘተ ከም ዝገበራ ተገሊፁ፡፡

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኔቴ ዌበር፤ ናብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገብርኦ ጉዕዞ ንዘተ ሰላም ዝሕግዙ ኩነታት ንምፍጣር ምዃኑን፤ ነዚ ዝምጥን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ይግባእ ድማ ኢለን፡፡

ኣብ ትግራይ ተዓፅዮም ዘለዉ ግልጋሎታት ክኽፈቱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ናብ ህዝቢ ትግራይ ክቐርብን ወረርቲ ሓይልታት ትግራይ ለቒቖም ክወፁን ቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ፡፡

ኣባል ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓ ሮናልድ ኮቢያ ብግዲኦም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሰለስተ መፀገምቲ ኩነታት ክፍትሑ እምነት ሕብረት ኣውሮፓ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ቅዋም ኩለን ኣባላት እቲ ሕብረት ንኽድግፈኦን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክዝትያሉን ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባ ከም ዝግበር ምስ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል ከም ዝተዘራረቡ ኣብ ትዊተር ገፆም ሓቢሮም፡፡

ሓላፊ ምክልኻል ቅልውላው ኣውሮፓ ጃኔዝ ሌናርቺች ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ምስ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ፤ ኣብ ትግራይ ዝተዓፀዉ ግልጋሎታት ክኽፈቱ፣ እኹል ቀረብ ነዳዲ ክህሉ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ወረርቲ ሓይልታት መሬት ትግራይ ለቒቖም ክወፁ ፃውዒት ምግባሮም ይዝከር፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ደኒ ትግራይ
Next articleፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል