Home ዜና ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ሪፖርት

ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ሪፖርት

1132
0

መንግስቲ ትግራይ ብኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራይትስዎችን ንዝወፀ ሓበራዊ ሪፖርት ብምንኣድ፤ ዓለም ለኸ ትካላት ኣብቲ ቦታ ከይዶም መፅናዕቲ ክገብሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ከረጋግፁን ፀዊዑ፡፡ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፤ 27 መጋቢት 2014 ዓ.ም ዓለምለኻዊያን ትካላት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘውፀአኦ ሪፖርት ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ፣ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን፤ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝፈፀምዎ ገበን ኣመልኪተን ሪፖርት ምቕራበን ዝነኣድ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት፤ መንግስቲ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክፅወዖ ዝፀንሐን ዓለም ለኸ ትካላት ኣብቲ ቦታ ኣትየን እኹል መፅናዕቲ ክገብራን ፀዊዑ፡፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራየትስዎችን ዘውፅአኦ ሪፖርት ስዒቡ፤ ዓለም ደንጊፁ እዩ ዝበለ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፤ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሓቂ ድማ ካብቲ ብሪፖርት ዝተገለፀ ዝበኣሰ ምዃኑን፤ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ዘራያቶምን ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዘይፈፀምዎ ዓይነት ገበን ከም ዘየለን ሓቢሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ዝተፈፀመ ገበን፤ ንዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰልን ብምጥሓስ ደቂ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዝተፈፀመ ገበን ምዃኑ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፤ መንግስቲን ህዝቢን ትግራይ ደጋጊሞም ክገልፅዎ ዝፀንሑን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ መሰረት ኣልቦ ሓቲት እናፈጠሩ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፀንሐ ነባር ህዝቢ ኣጥፊኦም ብሓዱሕ ብሄረ-ኣምሓራ ንምትካእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ምዃኑ ኣረጋጊፁ፡፡

ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ እግሮም ኣብ መሬት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝረገፅሉ መዓልቲ ጀሚሩ፤ ዘራያቶም ኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ወደር ኣልቦ ገበን፤ ንዓለም ለኸ ሕጊታት ሰብኣዊ መሰል ዝጠሓሰ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት፤ እቲ ዝተፈፀመ ገበን ሰፊሕን ዝተዋደደን ብምዃኑ፤ ካልኦት ዓለም ለኻዊያን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ክልቲኦም እዚ ፀብፃብ ዘውፅኡ ትካላትን ብኣካል ተረኺበን መፅናዕቲ ክገብራ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

መንገስቲ ኣመሪካ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኻዊያን ትካላትን ፍሉጣት መራሕቲን፤ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ክፍፀም ዝፀንሐ ገበን ምፅናት ብሄር ምዃኑ እናገለፁ ምምፀኦም ዘዘኻኸረ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፤ እቶም መግለፂታት ናብ ተግባር ክሽረፉ ብዘይምኽኣሎም ግና፤ ወረርቲ ሓይሊታት ክሽድኑ ከም ዝገበሮም ሓቢሩ፡፡ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዘይምቁራፅ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ደው ክብልን ዓለም እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ክትሰርሕ ይግባእ እንበር፤ ህዝቢ ምስ ፀነተ መግለፂ ሓዘን ምውፃእ ትርጉም የብሉን ዝበለ መግለፂ ዝምድናታት ትግራይ፤ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን በቲ ትኽክለኛ ስሙ ጀኖሳይድ ኢሉ ክፅወዖን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ዓለም ኣብ ርዋንዳ ዝፈፀመቶ ስሕተት ኣብ ትግራይ ከይድገምን፤ ግዘ ምስ ሓለፈ ነስሓን ትርጉም የብሉን ዝበለ እቲ መግለፂ፤ ኣብ ትግራይ ይፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብሰነድን ብወፍሪታት ሚዲያ ዝተደገፈን ምዃኑ ገሊፁ፡፡ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ፈጢርዎ ዘሎ ዕፅዋን ክባን፤ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ኣጥፊእኻ ድሌትካ ንምፍፃም ዝተዋደደ ፀረ-ህዝቢነት ምዃኑ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፤ ንጉጅለ ፋሽሽቲ ኣበይ ኣሕመድ ደጊፉ ኣብ ጀኖሳይድ ትግራይ ዝሳተፍ ዘሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፤ ነቲ ብሁማን ራይትስዎችን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ዝወፀ ሪፖርት ከናእሶ ምፍታኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ፡፡ብክልቲኦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ሪፖርት ቅቡልን ብሓበሬታ ዝማዕበለን ምዃኑ ዝሓበረ መግለፂ ዝምድናታት ትግራይ፤ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሕገመንግስቲ ዝተረጋገፀ መሬት ትግራይ ምዃኑ እናተፈለጠ ክልተ ሓይሊታት ዝነሓንሕሉ ቦታ ተባሂሉ ምግላፁ ነቒፉ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ
Next articleሓድነት ህዝብታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣገውን