Home ጥዕና “በዓል ቤተይ ብዕስለ ከም ዝተዓመፅኩ ምስ ነገርክዎ ከም ዝፈትሓኒ ነግሩኒ”ኣብ መንበሪ ገዝኣ...

“በዓል ቤተይ ብዕስለ ከም ዝተዓመፅኩ ምስ ነገርክዎ ከም ዝፈትሓኒ ነግሩኒ”ኣብ መንበሪ ገዝኣ ብዕስለ ዝተዓመፀት ንእስቲ

1682
0

ዑስባት ስራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህፃናትን ፆታዊ፣ ኣካላዉን ስነ ልቦናዉን ማህሰይቲ ፈፂሞም እዮም፡፡ ግዳይ እዞም ዑስባት ካብ ዝኾነት ሓንቲ ንድሕንነታ ክንብል ስማ ዘይጠቐስናያ ኣብ ማእኸል ሃምሊን ፌስቱላ መቐለ እንዳተሓከመት ረኺብና ዘዘራረብናያ ኣዶ ኣብ መንበሪ ገዝኣ መፂኦም ብዕስለ ከም ዝዓመፅዋ ገሊፃ፡፡ “እዋኑ ሕዳር 19 /2013 ዓ.ም እዩ፡፡ ሸዉዓተ ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በሪ ገዛና ኣንኳሕኲሖሞ ኣነ ድማ ፈሪሐ ክኸፍቶም ኣይከኣልኩን ሱቕ ኢለ ኣፅቂጠ፡፡

ካብኡ ግን ብላዕሊ ዘሊሎም ናብ ገዛይ ይኣትዉ፡፡ እቶም ክልተ ኣብ ላዕሊ ገዛኣይ ተሰቒሎም ይሕልዉ፡፡ እቶም ሓሙሽተ ናብ ዉሽጢ ገዛይ ኣትዮም ንዓይ ክልተ ኢደይ ንድሕሪት ኣሲሮም ሰብኣይኪ ኣበይ ኣሎ ኣምፅዮ እንዳበሉ ብኻራ፣ ብብረት ፣ ብበትሪ ቀጥቕጦምኒ፡፡ በዓል ገዛይ የለን ናበይ ከም ዝወፀ ኣይፈልጥን ኢለዮም ኣነ ድማ፡፡ ካብኡ ፈለማ ኣብ ገዛይ ዝነበረ ወርቂ ፣ ገንዘብን ካልኦት ሙሉእ ንብረትን ናብ መኪና ፅዒኖም ምስ ወድኡ፡፡ እቶም ሰለስተ በብተራ ደፊሮምኒ፡፡

በቲ ዝወቕዑኑን ዝደፈሩኑንን ደም ብደም ኮይነ ስለ ዝነበርኩ እቶም ቐፂሎም ዝመፁ ክልተ ተፀይፎሙኑ ”ኣቲ ሓፍተይ ንሕና ተኣዚዝና ኢና መፂና እምበር ድሌት የብልናን ስለዚ ነቲ ሓላፊና እንተመፅዩ ሓሙሽቲኦም እዮም ደፊሮሙኑይ በልዮ ኢሎም” ሰሪኦም ፈቲሖም ደጊሞምም እንዳታዓጠቑ ወፂኦም ከይዶም፡፡ ”ኣብ ዘይዋዓለቶን ዘይሓሰበቶን መከራ ዝወደቐት ኣደ በቲ ዝበፅሓ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንሕማም ፌስቱላ ተቓሊዓ እያ፡፡

በዙይ ከይኣክል ድማ ንባህልን መንነትን ተጋሩ ዘይገልፅ ድሑር ኣተሓሳስባ ዝወነነ በዓል ቤታ ኣብ ክንዲ ሓልዮትን ፍቕርን ዝልግሰላ ፈትያ ከም ዝፈፀመቶ ከግልላን ዝነበሮም ሙዉቕ ናብራ ክብትኖ ብምዉሳኑ ኣብ ልዕሊ ቑስላ ጨው ነስኒሱ ናብ ዝኸፈአ ስነኣእሙራዊ ፀገም ኣሳጢሕዋ እዩ፡፡እዛ ፀዋር ኣዶ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ማእኸል ሃምሌን ፋስቱላ መቐለ ብዝግበረላ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ሕክምናዊ ክትትል ካብ ዘጋጠማ ኣካላዉን ስነ ልቦናዉን ማሕሰይቲ ወፂኣ ኣብ ምሕዋይ ከም እትርከብን ካልኦት መሰል ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፅሐን ኣዴታት እዉን ከይተሰከፋ ናብ ሕክምና ክመፃን ሕ/ሰብና ድማ ክሕብሕበን ከም ዘለዎ ምዒዳ፡፡

ኣብዚ መዳይ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት እዉን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመን ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ተገዲደን እምበር ፎትየን ስለ ዘይፈፀምኦ ካብ ቁስለን ንካሓዉያ ክነቕርበንን ክንሕብሕበንን ድኣ እምበር ክነግልለን የብልናን ምስ በሉ ዋላ እዉን እተን ግዳያት ኣብ ልዕሊአን ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ከም ሓጥያት ዘይኮነስ ከም ገድሊ ከም ዝቑፀረለን ተረዲአን ክጥንክራ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleምክልኻል ዓፀባ
Next articleሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ