Home ዜና በዓል ኣሸንዳ 2014 ዓ/ም ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ፡፡

በዓል ኣሸንዳ 2014 ዓ/ም ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ይግበር ኣሎ፡፡

1888
0

መግለፂ መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝትኡ ሓልዩ  በቢዓመቱ እናተኸበረ መፂኡ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ህዝቢ ኣብ ክሊ ዕፅዋን ክባን ፀላእቲ ኮይኑ ባህሉ ከይሃስስ ብድምቀት ኣኽብሩ እዩ፡፡

ሎሚ እውን “መጋየፂ ኣሸንዳና ንዋዕሮታትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቴሌቪዥን ትግራይ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ሰላም ፕሮሞሽንን ብምትሕብባር እቲ በዓል ኣብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ትግራይ ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ይገብር ኣሎ፡፡

ደቂ ኣሸንዳ ንኣሸንዳ መጋየፂ ዝጥቀማሎም ዝነበራ ናውቲ፣ ንዋዕሮታት ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ህያባትን ወዲሰን ዝረኸብኦ ውህብቶን ኣብ ግንባር ንዘለዋ ዋዕሮታት ሰራዊት ትግራይ ከበርክታ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

እታ ኮሚቴ ካብ 2 ክሳብ 14 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ኣብ ዝግበር ምትእኽኻብ ውህብቶ ደቂ ኣሸንዳ ከወፍይኦ ዝደልያ ናውቲ፣ ንዋዕሮታት ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ህያባትን ወዲሰን ዝረኸብኦ ውህብቶን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ቦታታት፣ ካብ ከተማ መቐለ ወፃኢ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ኣብ ዝርከቡ ኮሚቴታት ከወፍያ ከምዝግባእ እታ ኮሚቴ ሓቢራ፡፡

በዓል ኣሸንዳ ብድምቀት ንምብዓል ድማ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን ዝርከቡ ተወለድትን ፈተውትን ትግራይ ደገፍቲ ንክኾኑ እታ ኮሚቴ ፀዊዓ፡፡

ብበላይ ሽፈራው  

Previous articleፃዊዒት ፀሎተ ምህለላን ፆመ ሱባኤን ትግራይ
Next articleሕቶ ህፁፅ ሓገዝ ንስደተኛታት ትግራይ