Home ዜና   ባህሊ ምትሕግጋዝ

  ባህሊ ምትሕግጋዝ

945
0

ዓለም ለኸ ማሕበር ሙስልም ትግራይ ኣል-ነጃሺ ኣትላንታንያትልን 450 ሽሕ ቅርሺ ሰራሕተኛ ቴሌቭዥን ትግራይን ድምፂ ወያነ ትግራይን  ሓጊዞም፡፡

እቶም ኣባላት እናጠመየ ንህዝቡ ዘገልግል ንዘሎ ሰራሕተኛ ቴሌቭዥን ትግራይን ድምፂ ወያነ ትግራይን ዋላ እኹል ኣይኹን ኣብ ጎኑ ከምዘለዉ ንምርግጋፅ እዚ ሓገዝ ከምዘበርከቱ ብወከልቶም ገሊፆም፡፡

ኣባላት ዓለም ለኸ ማሕበር ሙስልም ትግራይ    ዝኾኑ ኣል-ነጃሺ ኣትላንታን ሲያትልን 450 ሽሕ ቅርሺ ንሰራሕተኛታት ቴሌቭዥን ትግራይን ድምፂ ወያነን ብሓገዝ ዘበርከቱ እንትኾኑ እናጠመየ ንህዝቡ ኣብ ምንቃሕን ዝተፃረየ ሓበሬታ ኣብ ምቕባልን ንዝርከብ ሰራሕተኛ ቴሌቭዥን ትግራይን ድምፂ ወያነን እዚ ሓገዝ ንምብርካት ከምዘለዓዐሎም ምክትል ኣቦወንበር ዓለም ለኸ ማሕበር  ሙስልም ትግራይ ኣይተ ንርሑሰን ዓብደል ቃድር ገሊፆም፡፡

ቀትርን ለይትን ከይበለ እናጠመይ ንዝቃለሰ ዘሎ ሰራሕተኛ ቴሌቭን ትግራይን ድምፂ ወያነ ትግራይን ዘለዎ ፀገም ተረዲእኹም እዚ ሓገዝ ምብርካትኩም ዝለዓለ ምስጋና ኣለና ኣለና ክብሉ ነቲ ሓገዝ ዝተረከበቡ ኣባል ማሕበር ምትሕግጋዝ ኮሚቴ ቴሌቭዥን ትግራይ ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያን ዳይሬክተር ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ድምፂ ወያነ  ትግራይ ኣይተ መንክር ግርማይን ገሊፆም፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበር ሙስልም ትግራይ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብ ስራሕ ዓፀባ ንምቅላል  ንብርክት ዝበሉ ወገናት እናሓገዘት ከምዝመፀትን ሕዚ እዉን ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ድማ ኣባላት እታ ማሕበር ከሊፆም፡፡

                                ኣሸናፊ ዳርጌ

Previous articleማሕበር ዲያስፖራ ሙስሊም ኣልነጃሺ ኮሚኒቲ ስያትልን ኣትላንታን 450 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም።
Next articleዝቐፀለ ጀኖሳይድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ