Home ዜና “ባንኪ ናይ ምጅማር ተስፋታት ኣለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ምልክታት እዉን ኣለዉ”  ኣይተ ግርማይ...

“ባንኪ ናይ ምጅማር ተስፋታት ኣለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ምልክታት እዉን ኣለዉ”  ኣይተ ግርማይ ደስታ

735
0

         

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ባንኪ ሓዊሱ ኩሎም ዝተዓፀዉ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ትፅቢት ብዙሓት እዩ። ነባሪት ከተማ መቐለ ዝኾና ወ/ሮ ኣበባ ወ/ገብርኤል እቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣብ ሒሳበን ተዓፅዩ ዘሎ ቅርሸን ብምውፃእ ክሕከማ ኣይከኣላን። ድሕሪ እቲ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ግና ማሕበራዊ ግልጋሎታት ክኽፈቱ ተስፋ ብምግባር ናብ ባንኪ መዓልታዊ እናተመላለሳ ሓበሬታ ከምዝሓታ እየን ዝሕብራ። “ዝወስዶ መድሓኒት ኣለኒ፤ መግዝኢ ኣዝዩ ስለዝፀገመኒ ሎሚ ‘ዶ ፅባሕ ይኽፈት እሞ ዘለኒ ኣውፂአ ብዘይፀገም ክሕከም ይኸዉን እናበልኩ ተስፋ እገብር፤ መዓልታዊ ድማ ብዘይ ምቁራፅ እየ ዝመላለስ” ይብላ።

ኣይተ ኣኽሊሉ ኣባይ እዉን ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢ/ያን ርእሰማል ዘፍሰሱ በዓል ሃፍቲ እዮም። ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ዓሚል ኮይኖም ከምዝፀንሑ ዝገለፁ እቶም በዓል ሃፍቲ ሙሉእ ገንዘቦም ኣብ ባንኪ ተዓፅዩ ኣብ ህይወቶምን ስርሖምን ዓብይ ቅልውላው ከምዝስዐበሎም ይገልፁ። እቲ ሕዚ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ሰላም ግና ተስፋ ከሕድሩ ገይርዎም ኣሎ። “ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ባንክታት ተኸፊቶም ፀገምና ክሓፅርን ደቅና ክንዕንግልን ተስፋ ገይርና ኣለና። እዚ ሃንቀውታ ዝወለዶ ድማ እዩ መዓልታዊ እናመፃእኩ ሓበሬታ ዝሓትት ዘለኹ” ይብሉ።

ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ዲስትሪክት ሰሜን ሓላፊ ግልጋሎት ባንኪ ኣይተ ደስታ ግርማይ  ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ባንክታት ስሩዕ ስርሐን ክጅምራ እየን ብዝብል ተስፋ፣ ብወገን ትካሎም ኣቐዲምካ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ኦዲትን ካልኦትን የፃፍፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም። “ባንኪ ናይ ምጅማር ተስፋታት ኣለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ምልክታት እውን ኣለዉ” ዝበሉ ኣይተ ግርማይ “ እቲ ተቛሪፁ ዘሎ ግልጋሎት ባንኪ ንምጅማር መንግስቲ ኢ/ያ ብቐዳምነት  ግልጋሎት ስልክን መብራህትን ክፅግኖም ይግባእ” በሃላይ እዮም። እቲ ግልጋሎት ምስ ጀመረ ወፃኢ ጥራሕ እምበር ብዙሕ ኣታዊ ከምዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኩሉን  ጥረ ገንዘብ ክለኣኸልና ኢና ትፅቢት ንገብር” ክብሉ እዉን ወሲኾም ሓቢሮም። መንግስቲ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እውን እዚ ፈሊጦም ካብ ብሕዚኡ ድፍኢት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleዑደት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት
Next articleሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ