Home ማሕበራዊ “ብህይወት ክትነበሩ ኣይፍቀደኹምን ካብዛ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና”

“ብህይወት ክትነበሩ ኣይፍቀደኹምን ካብዛ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና”

1024
0

ካብዛ መሬት ክነጥፍኣኹም ኢና ኢሎም ዝኣክሎም ቐቲሎምን ኣፈናቒሎምን እዮም ይብል ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቂሉ ሐዚ ብስደት ኣብ #ሱዳን ዝርኸብ ወዲ 42 ዓመት ጎይትኦም ፡፡–ነባሪ ከተማ ዓዲ ጎሹ ከምዝነበረ ዝዛረብ ጎይትኦም ሐዚ ኣብ ስደት ኾይኑ እነትዝክር ኣነ ካብ ዝነብረላ ጣብያ ብህይወት ዝተረፈ የለን፤ ንኩሉ ነባሪ እታ ጣብያ እዮም ቐቲሎሞም፡፡ “ብህይወት ክትነበሩ ኣይፍቐደኹምን” ይብሉና ነይሮም ይብል፡፡ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብዝተፈፀሞ ኣረሜናዊ ጭካነ ዓዱ ለቒቑ ኣብ ስደት ይርከብ፡፡ እቲ ሐዚ መውፅኢ ዘይረከበ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ ኩሉ ዓይነት በደል ይፍፀሞ ከምዘሎን ንብረቱን ጥሪቱን እውን ኣስኢኖምዎ ከምዘለዉ ይገልፅ እቲ ግዳይ እዚ ሓደጋ ፡፡


#ሂዩማን ራይት ዎች ኣምኒስት ኣንተርናሽናልን ን427 ሰባት ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መሰረት ገይሮም ዘውፅእዎ መጠቃለሊ ፅሑፍ ኣብ ክልተ ዓመት ጥራሕ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል መሰረት ገይሮም እዮም ፡፡ እቲ ፀብፃብ #ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ፆታዊ ባርነትን ኣብቲ ከባቢ በቶም ሓይልታት ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ ተግባር ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ ፡፡
እቲ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ምልሻ ኣምሓራ፣ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ተሓተቲ ምዃኖም ኣቐሚጡ ኣሎ ፡፡ እቲ ኲናት እንትጅመር ፋኖ ናብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ቐዲሙ ብምእታው ግፍዒ ከምዝፈፀመ ሁማን ራይት ዎች መጀመርያ ዝረኸብኩዎ መረዳእታ እዩ ይብል ፡፡


ማይካድራ እውን መጀመርያ ግፍዒ ካብ ዝተፈፀመለን ከባቢታት ሓንቲ ከምዝኾነትን ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተቐተሉን ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ ጀሚላ ዝተበሃለት ነባሪት ዳንሽ መጀመርያ ፋኖ እናፈኸሩ ኣትዮም፤ ትግራዋይ እናኣለሹ ይቐተሉን ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ይደፍሩን ከምዝነበሩ ባዕላ እውን ከም ዝደፈርዋ ገሊፃ ይብል ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልነ ሂዩማን ራይት ዎችን፡፡ ኣምኒኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ብሓባር ዘውፅእዎ ፀብፃብ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበን ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ተፈፂሞም እዮም ኢሎም ኣለዉ፡፡
እቲ መፅናዕቲ ንድሕሪት ተመሊሱ እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘርኢ ምፅናት መልዐሊኡ እንታይ እዩ? ናበይ ኸ ኣምረሐ? ሐዚ እንታይ ኣጋጢሙ? ዝብል እውን መፅናዕቲ ኣካይዱ ኣሎ፡፡ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለው ገበናት ጀኖሳይድ ምዃኖምን ዓለም ዝህቦ ዘሎ ምላሽ ትሑት ከምዝኾነን ኣብቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ተጠቒሱ እዩ ፡፡
እቲ መፅናዕቲ ኣብ መጠቃለሊኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ #ዘርኢ ምፅናት ፣ገበን ኲናትን ፣ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ተፈፂሙ እዩ ዝበለ እንትኸውን ፣ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ብቋንቋኡ ዝዛረብ ረዲኤት ከምዘይረክብ ፣ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ ባርነት ከምዝበፅሐን “ደምኽን ክፅሪ ኣለዎ” ብዝብል ኩሉ ዓይነት ግፍዕታትን በደላትን ንኣዴታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከምዝበፅሐን ይገልፅ፡፡


ናይዚ ገበን ፈፀምቱ ድማ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ምልሻ፣ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣምሓራን ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ከምዝኾነ የቐምጥ ፡፡ብመሰረት እቲ ዝወፀ ሰፊሕ መፅናዕቲ ሚድያታትን ትካላት ተሓለቅቲ ሰብኣዊነትን እናተቀባበልኦ እየን ፡፡
ዶቼቤለ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት፣ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ከምዝተፈፀመ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ኣብ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሮም ክብል ፅሒፉ ኣሎ ፡፡
ፍራንስ 24 ብወገኑ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኲናት ፈፂሞም ክብል ነቲ መፅናዕቲ ኣቃሊሕዎ ኣሎ ፡፡

ፍራንስ 24 እዚ ኩሉ ገበን ጀኖሳይድ ዝተፈፀሞ ህዝቢ ሐዚ እውን ብጥምየት ይሞውት ከምዘሎ ፀብፂቡ ኣሎ ፡፡ሚል ኦን ላይ ከምዝፀሓፎ እውን ኣብ ዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ዝተፈፀመ ገበን ፣ ሐዚ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይት ዎችን ኣብ ልዕሊ 4 ሚኢቲ ሰባት መሰረት ገይሩ ዘኻየዶ መፅናዕቲ ዘርኢ ምፅናት፣ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ዕላዊ ገይሩ እንትብል ሐዚ እውን ኣብ ስደት ምህላዎም እቲ መፅናዕቲ ተኣማንነት ንክህልዎ ገይርዎ ክብል ፀብፂቡ ፡፡
ዘ ጋርድያን እውን ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ/ም/ፈ ዝጀመረ ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ሐዚ ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ዘርኢ ምፅናት፣ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተፈፀሙ ተረጋጊፆም ክብል ኣብቲ መፅናዕቲ መሰረት ገይሩ ፅሒፉ ኣሎ ፡፡


ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ፣ ሐዚ ዓለም ለኸ ተሓታትነት እናነፀረ ምምፅኡ ስዒቡ ጀኖሳይድ ዝተፈፀሞ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዓዱ ኣረሜናዊ ተግባር ዘለዎም ሓይልታት ኣስከሬን እናኩዓቱ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ይወስድዎን ይስውርዎን ከምዘለዉ ናይዚ ስሙን እኹይ ተግባሮም እዩ ፡፡
ህዝቢ ትግራይ በዞም ሓይልታት ክልተ ሰለስተ ግዘ ብተደጋጋሚ ይቀትልዎ ከምዘለዉን ንዝዓረፈ ኣስካሬን ዳግም ኣውፅእኻ ምቅፃልን ምስዋርን ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘይተረኣየ ሓድሽ ታሪክ እዩ ፡፡
ፀብፃብ ሂዩማን ራይት ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን መሻርክቶምን ኣብዚ ሰሙን ዝሰርሐዎም ዘለዉ ድራማታት መዘራረቢ ማዕኸናት ዓለም ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ ፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous articleዝገደደ ዓፀባ ኣብ ምርኣይ ዝተሰኣና ተመዛባሊትኣብ ሕሉፍ ዓመት ፋሽሽታውያን ወረርቲ ብዝፈፀምዎ ግፍዕን ወራርን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት ምርኣይ ዝተሰኣና ንእስቲ ንዝተጋደደ ዓፀባ ተቓሊዓ ምህላዋ ገሊፃ፡፡
Next articleፃውዒት ምድሓን ህይወት