Home ህፃናት ብሕማም መገረም ዝሞቱ ወገናት

ብሕማም መገረም ዝሞቱ ወገናት

1008
0

ኣይተ ገ/ሊባኖስ ይባሃሉ ነባሪ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ  እንትኾኑ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል የጭላ ረኺብናዮም፡፡ እቲ ኩነታት ከምዚ እዩ ቅድም ክብል ኣብ ከባቢኦም ብሕማም መገረም ዝተታሓዘት እንስሳ ተሓሪዳ ሓግዙና ኢሎም ንገዛ ስጋ ሒዞሙሎም እንትመፁ ንሶም ድማ ተቐቢሎም ምስ ስድርኦም ተመጊቦሞ፡፡

በዙይ ዝተበገሰ ድማ ሰገን ውላዶም በቲ ካብቲ ዝተሓረደ ስጋ እንስሳ ዝበሎዖ ሕማም መገረም ሓሊፍዎ ሓሚሙ ክልተ ዓይኑ ክስእን ኣብ ጫፍ በፂሑ ብሰብ ሞያ ጥዕና ብዝተገበረሉ ርብርብ ግን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ሆፒታል የጭላ ኣይተ ዕርደይ ኣሰፋ ብሕማም መገረም ተታሒዞም ናብቲ ሆፒታል ካብ ዝመፁ 99 ወገናት ብሰብ ሞያ ጥዕና ብዝተገበረ ርብርብ እቶም 95 እንትድሕኑ እቶም ኣርባዕተ ድማ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ገሊፆም፡፡

እዙይ ማለት ግን ይብሉ ኣይተ ዕርደይ እቶም ናብ ሆስፒታል ዝመፁ ጥራሕ ዳኣ እምበር ሆስፒታል ሞፅዮም ዘየተመርመሩ በቢገዝኦም ህይወቶ ዝሳኣኑ ከም ዝህልዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ በዓል ሞያ ጥዕና እንስሳ ኣይተ ብርሃነ ልኡል ብወገኖም በቢዓመቱ ንእንስሳ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት ብዘይምህላዉ ኣብታ ወረዳ ኣስታት 40 ሽሕ እንስሳ በቲ ሕማም ተጠቒዐን ልዕሊ 10 ሽሕ ከምዝሞታ ኣረዲኦም፡፡

ብፍላይ ድማ ይብሉ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና በቲ ሕማም ተጠቒዑ ዝሞተ እንስሳ ሓሪድካ ድሕሪ 10 መዓልቲ ኣድሪቕካ ምብላዕ ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ኣብቲ ሕ/ሰብ ጎሊሁ ስለ ዝረአ ነቲ ሕማም ክጋደድ ምኽንያት ኮይኑ ይብሉ፡፡

ከም ኣገላልፃ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብዚ ሐዚ እዋን ቅድሚ ምክልኻል ይኹን ድሕረ ምክልኻል ንሰብ ኮነ ንእንስሳ ዝወሃብ መድሓኒት ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ፋሽስታውያን ስለ ዘየለ ሕ/ሰብ ነዙይ ተገንዚቡ ዓርሱ ግቡእ ምክልኻል ክገብር ምዒዶም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleሰልፊ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ኣውሮፓ
Next articleጠላዕ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ድርድር ሰላም