Home ዜና ብሕማም ሽኮር ንዝተጠቕዐ ህፃን

ብሕማም ሽኮር ንዝተጠቕዐ ህፃን

833
0

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ኩለመዳይ ዕፅዋ ስዒቡ ዝተፈጠረ ስእነት መድሓኒት ብሓፈሻ ንመላእ ትግራይ ብፍላይ ድማ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ወገናት ዓብይ ስቅያት ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ። ህፃን ጥዑማይ ተወልደ እዉን ካብዞም ሰኣን መድሓኒት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህፃናት ትግራይ ሓደ እዩ።

ብሕማም ሽኮር ዝሳቐ ዘሎ ጥዑማይ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህፃን እዩ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ግቡእ ክትትል ዝግበረሉ ዝነበረ እዚ ህፃን ሕዚ ግና ንሓያሎ ኣዋርሕ መድሓኒት ክረክብ ኣይከኣለን። ስእነት መድሓኒት ዝፈጥረሉ ዘሎ ስቓይ ከይኣክል ድማ ብሕፅረት ምግቢ እዉን ኣዝዩ ተጠቒዑ ስግኡ ተወዲኡ፣ ርእሱ ገንጊኑ፣ ዓይኑ ፈጢጡ ኣዕፅምቲ ጥራሕ ሒዙ ተሪፉ።

እዚ 9 ኪሎ ግራም ጥራሕ ዝተመዘነ ወዲ 3 ዓመት ህፃን ንወላዲኡ በብግዚኡ እንጀራ እናበለ ይርብሾ። ዝነበሮ ኩሉ ዝፀንቀቐ ወላዲኡ ካብ ሳንጣ ኣውፂኡ ኣይኮነን’ዶ ንዝሓመመ ህፃንስ ንጥዑይ መንእሰይ እኳ ደፊሩ ዘይበልዖ ዝደረቐ እንጀራ ብማይን ቁንጣሮ ሽሮን በፅቢፁ እንትህቦ ልቢ እዩ ዝትንክፍ። እቲ ዝጠመየ ህፃን እዉን እንተኾነ ሓይሉ ኣኪቡ እንትኹልስ ጥምየት መዓረ ክንደየናይ ክፉእ ከምዝኾነ ብተግባር ትግንዘብ።

ናብ ሕክምና ብዙሕ ግዘ ከምዝተመላለሰ ዝሕብር ወላዲ ህፃን ጥዑማይ ኣይተ ተወልደ መድሓኒት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ከምዝተገደደን ብስእነት መጓዓዓዝያ እዉን በብግዚኡ እናተመላለሰ ክሓትት ከምዘይከኣለ ይገልፅ። ሕማም ሽኮር ዝተጠቕዑ ወገናት ክምገብዎ ዝምከር ዓይነታት ምግብስ ይትረፍ መዓልታዊ ሓደ ግዘ እኳ ዝደረቐ እንጀራ ከቕርበሉ ከምዘይከኣለ ዝሓበረ እቲ ወላዲ፣ ህፃን ውሉዱ ሰኣን መድሓኒትን ምግብን ኣብ ኣፍ ሞት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ሲስተር ገነት ከምዝበለኦ፣ ብበዝሒ ናብ ትካሎም ዝመፁ ህፃናት ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ምኳኖም ብምሕባር፣ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ንኽገብሩሎም ዘኽእል እታወት ብዘይምህላዉ ድማ ልቦም እናደመየ ናብ ገዝኦም ከምዝምልስዎም ገሊፀን።

ዋና ኣመሓዳሪ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓብይ-ዓዲ ኣይተ ሓዱሽ ሃይሉ ብግዲኦም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ብቐሊሉ ክድሕኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ህፃናት ሰኣን መድሓኒትን ምግብን ከምዝሞቱ ብምሕባር፣ ሕዚ እዉን እንተኾነ ሞት ህፃናት ይቕፅል ብምህላዉ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ክገብረሉ ፀዊዖም።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ስነ-ህዝብን ገንዘባዊ ሓገዝን  UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሪፋራል ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸልን  ሕክምና ፊስቱላ ሓምሊን ሆስፒታል መቐለን ዑደት ኣሳሊጡ፡፡
Next articleክብሪ እኖታታ ዝሰኣነት ኣዶ