Home ዜና ብሕፅረት ነዳዲ ማሕበራውን ቁጠባዊን ቁልዉላዉ ኣብ ትግራይ

ብሕፅረት ነዳዲ ማሕበራውን ቁጠባዊን ቁልዉላዉ ኣብ ትግራይ

1223
0

ቅድሚ ወራር ወርሓዊ 12 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ትጥቀም ዝነበረት ትግራይ ሕዚ ግና ብሰብኪ ዕፅዋ ፀላእቲ ነዳዲ ብዘይምርካባ ሕብረተሰብ ንማሕበረ ቁጠባዊ ቁልዉላዉ ተሳጢሑ ምህላዉ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ትግራይ ካብ 203 ዓ/ም ጀሚራ ክሳብ ሕዚ ዝረከበቶ ነዳዲ ከምዘየለ ግዝያዊ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድድን ኢንዳስትርን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ ኣረጋዊ ገሊፆም። ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ነዳዲ ብዘይምህላዉ ዓርሶምን ዝመርሕዎ ስድራን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ዝተነበረ ክባን ዕፅዋን ንምፍንፃሕ እንኮ መማረፂ ዝተጀመረ ቃልሲ ምሕያል እዩ ዝበሉ እቶም ግዝያዊ ሓላፊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ነዳዲ ብምክልካል ጥራሕ ኣይኮነን ዝሃስዩና ዘለዉ ¬¬ጥሜት ከም መሳርሒ ኩናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ #ጀኖሳይድ እናፈፀሙ እዮም በዚ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ደጀንን ግንባርን ዓሲሉ ከቃለስ ፀዊዖም።
ብሳራ ኣብራሃለይ

Previous articleናብ ተግባር ዘይተሸረፈ ስምምዕነት
Next articleህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከምዘሐይላ ዋዕሮታት ትግራይ ገሊፀን፡፡