Home ዜና ብሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተመረሐ ልኡኽ ፌዴራል ላዕለዋይ...

ብሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተመረሐ ልኡኽ ፌዴራል ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ኣካይዱ

678
0

እቲ ብሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተመረሐ ልኡኽ ፌዴራል ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ኣካይዱ።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ ብሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ወረራ ትግራይ ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወትን ጉሕለትን ዝተገበረ መፅናዕቲ ነቲ ጉጅለን ዓለም ለኻዊ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መድረግቲ ኣካላትን ኣቕሪቦም ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ተኸፋፊሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ማእኸል ተመዛበልቲ፣ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕናን ካልኦት ትካላት ጥዕናን ክዕዘብ ምዃኑ ኣብ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ይገልፅ።

እቲ ብዶክተር ሊያ ታደሰ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ዝምልከቶም ካብኔታትን ተራኺቡ ንቐፃሊ ዝዓነወ ጥዕና ትግራይ ቀልጢፍካ ብምህናፅ ናብ ግልጋሎት ንምምላስ ኣብ ዝብል ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ።

Previous article”ጓለይ ብዕስለ ከም ዝተደፈረት ኢዩ ዝስመዐኒ ” ዶ/ር ፀጋይ ገ/ግዚኣብሔር
Next articleማሕበር መኸተ ትግራይ ዳያስፓራ ዓዲ እንግሊዝ ንጉድአት ኲናት ትግራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 3ሚልዮን ብር ሓገዝ አበርኪታ።