Home ዜና ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ሚኒስተር ጥዕና ፌዴሪኢን ሂማልያ ካታራክትን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ...

ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ሚኒስተር ጥዕና ፌዴሪኢን ሂማልያ ካታራክትን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ክሳለጥ ዝቐንየ ካልኣይ ዙርያ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ተዛዚሙ።

550
0

በቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ዝረኽቡ ወገናት ብርሃን ዓይኖም ከም ዝተመለሰሎም ገሊፆም።
ኣብ ካልኣይ ዙርያ ወፍሪ ሕክምና ዓይኒ ሞራን ፀጉሪን ብዋናነት ካብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ንዝመፁ ተገልገልቲ ዝተውሃበ እንትኸውን ዛጊድ ልዕሊ 1000 ወገናት ተጠቀምቲ እቲ ግልጋሎት ኮይኖም ከም ዘለዉ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ሆስፒታል ኲሓ ኣይተ ብርሃኑ ዋህድ ተዛሪቦም።
ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ሕክምና ዓይኒ ሞራን ፀጉርን ካብ ዘይውሃብ 3 ዓመት ሓሊፍዎ እዩ ዝበሉ ዶክተር ዓወት ይብራህ ብግዲኦም መንግስትን ኣብ ክንክን ጥዕና ዓይኒ ዝነጥፉ ትካላት ገበርቲ ስናይን ብዕቱብ ክስርሕሉ ይግባእ ኢሎም።
እቲ ሐዚ ተጅሚሩ ዘሎ ወፍሪ ሕክምና ዓይኒ ሞራን ፀጉርን ኣብ ካልኦት ዞባታት ትግራይ ውን ከም ዝቕፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ። #ሙሉጌታ ገ/ገርግስ

#ብሙሉጌታ ገ/ገርግስ

Previous articleኣገልግሎት ምጽራይ ነተጉቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይን ዶባዊ ከባቢታትን ክዋፈር ተፈቒዱሉ።
Next articleዕድላት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ፀንቂቕና ብምጥቃም ረብሓ ህዝብና ንምርግጋፅ ክንረባረብ ኢና!