Home ዜና ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡

ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡

1046
0

ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢደይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ናብ መላእ ትግራይ ከባፅሕ ኣይከኣልኩን እንትብል ብሰንኪ እዙይ 20% ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት፣ ጡኑስትን መጥበውትን ንሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዝተቃልዑ ገሊፁ፡፡

ተመዛበልቲ እውን ምስ ዘጋጥሞም ፀገም ትሕቲ 50% ዝተመጣጠነ ምግቢ እዮም ዝረኽቡ ዘለው ክብል ገሊፁ፡፡ ብምኽንያት እዙይ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለው እቲ ትካል ሓቢሩ፡፡

ትካል ምግቢ ዓለም ንዝቅፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንምቅፃል ትልሚ ዋላ እንተሃለዎ ቡዙሓት ዕንቅፋታት ይገጥምዎ ከምዘለው ገሊፁ፡፡ እቲ ትካል ከምዝገለፆ ኣብታ ሃገር ኲናት፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ ድርቅን ሕፅረት ምግብን ናህሪ ዋጋን ብዋናነት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ገሊፁ።

Previous articleልዕሊ 5.2 ሚልዮን ብር ን2,600  ወገናት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ
Next articleምቅላዕ ገበን ጀኖሳይድ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ