Home ዜና ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ማሕበረሰብ ሙስሊም ክሕጅጅ ከምዘይካኣለ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ...

ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ማሕበረሰብ ሙስሊም ክሕጅጅ ከምዘይካኣለ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ፡   

1123
0

                           

መበል 1443 በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኣብ ከተማ መቐለ መላእ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዝተረኸብሉ በድምቀት ተኸቢሩ፡፡

ዋና ፀሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ንመላእ ኣመንቲ እስልምና መልእኽቲ እንዃዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ህይወቱ ዓብይ ቦታ ዝህቦ ምሕጃጅ ብምዃኑ በቢዓመቱ  ዒድ ኣልኣድሓ ብዝመፀ ቁፅሪ ፉሉይ ቦታ ይህቦ፡፡

ናይ ሎሚ  መበል 1443 ዓመት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ግና ካብ ካልኦት ዓመታት ብፉሉይ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ሓጂ ክኸይድ ከምዘይካኣለ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ገሊፆም፡፡

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ  ኣብ ኢ/ያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከየምረሐ ብኣጋኡ ክእለ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉኒ መንግስቲ ትግራይ ብምዃን ፃውዒት ሰላም እናቅረበ ከምዝመፀን እዚ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክሰጋገር ከምዝኻኣለ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ኣረዲኦም፡፡

ብምዃኑ ድማ ይብሉ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ቕርቡነት ጉዳያት እስልምና ትግራይ ከምዝድግፍን ንተግባራውነቱ ድማ ከምዝሰርሕን ገሊፆም፡፡ 

ማሕበረሰብ ሙስሊም ዒድ ኣልኣድሓ እንተኽብር ዘለውዎ ፀገማት ተፃዊሩ ካብ ዘለዎ ንዘይብሉ ከካፍል ከምዝግባእ ድማ ዋና ፀሓፊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ መሓመድ ካሕሳይ ምዒዶም፡፡

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous article“ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣይጉዕፀፅን” ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም
Next article3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ሱዳን