Home ዜና ብሰንኪ ወረርቲ ዘመናዊ እታወታት ልምዓት ሕርሻ ትግራይ የለን

ብሰንኪ ወረርቲ ዘመናዊ እታወታት ልምዓት ሕርሻ ትግራይ የለን

ፋሽስታውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘንበርዎ ክባን ዕፅዋን ዘበናዊ ዱኽዒ ፣ ምሩፅ ዘርኢ ፣ #ኬሚካላትን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ከምዘየለ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፍሊጡ፡፡ ናይ ሎሚ ዓመት #መፍረያይነት ወሳናይነቱ ብምርዳእ ዘለና ዓቕሚ፣ ፍልጠትን ባህሊ ምትሕግጋዝን ብምጥቃም ዝሐሸ ማእቶት ክህሉ ክስራሕ ከምዝግባእ ድማ እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ፡፡ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንበርዎ ክባን ዕፅዋን መዳበርያ ፣ ምሩፅ ዘርኢ ፣ ኬሚካላትን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ከምዘየለን ሓረስታይ ትግራይ እቶቱ ንምድንፋዕ ዝፀንሐ ባህላዊ ሜላታት #ሕርሻ ብምጥቃምን ብምትሕግጋዝን እዛ ፀባብ እዋን ክሰግራ ከምዝግባእ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ #ዶክተር ኣትንኩት መዝገበን ሓላፊ ኢንስትትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዶክተር #እያሱ ኣብርሃ ገሊፆም፡፡ ናይ ሎሚ ዓመት መፍረያይነት ሕርሻ ወሳንነቱ ብምርዳእ ኣብ ባዕልና ተደሪኽና ወነን ሓቦን ብምስናቕ ዘለና ዓቕሚ ፣ ውህሉል ፍልጠትን ባህሊ ምትሕግጋዝን ብምጥቃም ዝሐሸ ማእቶት ክህሉ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ድማ ዶክተር ኣትንኩትን ዶክተር እያሱን ሓቢሮም፡፡ ስራሕቲ ምዕቃብ ጠሊ ፣ ምድኳዕ ድኹዒ ፣ ምልስላስ መሬትን ካልኦት ተግባራትን ብእዋኑ ብምፍፃም መፍረያይነትና ንምዕባይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ እንሰርሐሉ እዋን እዩ ድማ ኢሎም ዶክተር ኣትንኩትን ዶክተር እያሱን፡፡ ብራሄል ኣረጋዊ

1485
0

Previous articleሳዕቤን ክባን ዕፅዋን ኣብ ማእቶት ሕርሻ ትግራይ
Next articleመልእኽቲ ፕረዝድንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል