Home ዜና ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዝርከብን ህፁፅ መፍትሒ...

ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዝርከብን ህፁፅ መፍትሒ ከምዘድልዮን ዘ-ጋርዲያን ኣቃሊዑ፡፡

ማርታ ኣረፋይነ ነባሪት ከተማ #ሽረ እንዳስላሰ እንትትኸውን ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ህይወታን ህይወት ስድርኣን ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ንዘ-ጋርዲያን ገሊፃትሉ፡፡ ጓል 27 ዓመት ትግራወይቲ ንእስቲ ማርታ ነቲ ማዕኸን #ዜና ወሲኻ ከምዝሓበረቶ ቅሉዕ #ልፍንታዊ #ወራር ቅድሚ ምጅማሩ ፅቡቕ መነባብሮ ከምዝነበራ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ህይወታ ንምምራሕ ተፀጊማ ከምዘላን ብሓገዝ ጎረባብታ ትናበር ምህላዋን ተዛሪባ፡፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር #ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ጉዳይ #ቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተሳጠሐን ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ከምዘየለን ምግላፆም እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ፡፡ ንሪፈራል #ሆስፒታል ዓይደር ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ትካላት #ጥዕና ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ተገልገልቲ ግልጋሎት ጥዕና ናብ ዘይረኽብሉ ብርኪ ተበፂሑ ከምዘሎ ንሓካይም ፍልፍል ጠቒሱ እቲ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ፡፡ ኩሎም ናብ ትግራይ ዝወስዱ መንገድታት ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ተዓፅዮም ከምዝርከቡ ድማ ዘ-ጋርዲያን ኣቃሊዑ፡፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብነፈርቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ውሱን #መድሓኒት እውን ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ ናብ ትካላት ጥዕና ምክፍፋል ከምዘይተኸኣለ ጠቒሱ፡፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ራእሲ #ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ኣብ #መቐለ ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ንምብፃሕ እውን ብኣእዱግ ተፃዒኑ ክጎዓዓዝ ይግበር ምህላው ድማ ዘ-ጋርዲያን ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ፡፡ ናብ ከባቢታት ገጠር ዝግበር ጉዕዞ ግና ካብዚ ዝገደደ ከምዝኾነ እዩ ዝሓበረ፡፡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ከም መሳርሒ #ኲናት ይጥቀም ከምዘሎን ህይወት ሚልዮናት ንምድሓን ህፁፅ መፍትሒ ከምዝጠልብን ድማ እቲ ፀብፃብ ኣገንዚቡ፡፡ ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

1343
0
Previous articleዩኒቨርስቲ ኣክሱም ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ኣጠቓቕማ ምግቢ ተክሊ ሞሪንጋ ኣድሂቡ ስልጠና ሂቡ፡፡
Next articleብእኩይ ተግባር ፋሽስታውያን ሓሪኖም ቃልሶም ከምዘሐይሉ ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ተዛሪቦም