Home ዜና ብሰንኪ ፋሺስታዊ ጉጅለ ካብ ዓለም ዝተገለለ ህዝቢ ትግራይ

ብሰንኪ ፋሺስታዊ ጉጅለ ካብ ዓለም ዝተገለለ ህዝቢ ትግራይ

921
0

ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን ሂወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢሮምዎ ዘለው ኩለመዳያዊ ዕፅዋን ክባን ህዝቢ ንሰብ ሰራሕ ዓፀባ ተቓሊዑ ከምዝርከብን ግዳይ ሞት ዝኾኑ ዘለው ወገናት ብዙሓት ምዃኖምን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሓት ኣዋርሕ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተገሊሉ ከምዝርከብ እውን ኣቃሊሑ፡፡

ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝኾነ ነባሪ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም ባንክታት ብምዕፃዎም ኣብ ባንኪ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ገንዘብ ኣውፂኡ ንስድርኡ ክዕንግል ከምዘይከኣለ ገሊፁ፡፡

ንስድራይ ክዕንግል ብዘይምኽኣለይ ልበይ ተሰይሩ እዩ ዝበለ እቲ ወሃቢ ርኢቶ ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ባንኪ ዝዓቖሮ ገንዘቡ ኣውፂኡ ክጥቀም ከምዘይከኣለ ሓቢሩ፡፡

ብሰንኪ ምዕፃው ባንኪ ብዙሓት ወገናት ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተሳጢሖም ምህላዎም ድማ ነቲ ማዕኸን ዜና መስኪሩ፡፡ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ወገናት ገንዘብ ከይለኣኾ እውን ብሰንኪ ምዕፃው ኢንተርኔትን ስልኪን ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንምርካብ ኣፀጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ትግራዋይ ኣቦ ንቢቢሲ ገሊፁ፡፡ቢቢሲ ኣብ ከተማ መቐለ ተዘዋዊሩ ከምዘረጋገፆ ነበርቲ እታ ከተማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም ከምዝርከብን ህፁፅ መፍትሒ ከምዘድልዮን ኣቃሊሑ፡፡

ትካላት ንግዲ ከተማ መቐለ ተዓፅዮም ከምዘለውን እቶም ውሱናት ቀረባት ዕዳጋ እውን ክባራት ከምዝኾኑን ዝጠቐሰ እቲ ፀብፃብ ህዝቢ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ይሳቐ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ፡፡ህዝቢ ትግራይ ግልጋሎት ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሚኒኬሽን፣ ኩሎም ዓይነት መጓዓዝያ፣ ነዳዲ፣መድሓኒት፣ ምግብን ካልኦት ህዝባዊ ግልጋሎታትን ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከይረክብ ከምዝተገበረን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተገለለን ህዝቢ ኮይኑ ይቕፅል ምህላው ድማ ተገሊፁ፡፡ህዝቢ ዋላ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ እናሃለወ ባህሊ ምትሕግጋዝ የማዕብል ምህላው እቲ ማዕኸን ዜና ፀብፂቡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ክባን ዕፅዋን ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ዓለም እቲ ዝነወሐ ዘደንፅው ፍፃመ ከምዝኾነ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር፡፡ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለፅዎ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሖ ካብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምንጋፍ ግልጋሎታት ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሚኒኬሽን፣ መጓዓዝያን ካልኦት ህዝባዊ ግልጋሎታትን ክኽፈቱ ምትሕስሳቦም እውን ይፍለጥ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ስምምዕነት ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ እዋን ኣትሒዙ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ኣይተፈቐደን፡፡ ነፍስ ወከፍ ሰዓት ብጥሜት ዝመውት ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምድሓን ዋጋ ኣለዎ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ምግቢ የለን፡፡ ነዳዲ እውን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleዕማም ተሓለቕቲ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ
Next articleሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተፀገሙ ወገናት