Home ዜና ብቕዓትን ሞያን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ

ብቕዓትን ሞያን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ

522
0

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ ኣብ ህልዊ ኩነታትን መፃኢ ኣንፈታትን ስራሕቱ ኣድሂቡ ምስ መድረግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ዘትዩ፡፡ሓላፊት ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ብርኽቲ ገ/ምድህን ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኣብቲ ኤጀንሲ ኩለመዳይ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝበፀሐ ብምሕባር ነቲ ዝበፀሐ ዕንወት መልሲካ ንምህናፅ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጠልብ ኣገንዚበን፡፡

ብቕዓትን ሞያን ዝረጋገፀለን መንግስታውን ውልቃውን ኮለጃት ትግራይ ብዝበፀሐን ዕንወትን ብዘለወን ፋይናንሳዊ ፀገምን ግቡእ ግልጋሎት ንምሃብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ዝገለፁ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብወገኖም ብሞያ ዝበቐዐ ዜጋ ንምፍራይ ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ካብ መቐለ ወፃኢ ዘለዋ ብቕዓትን ሞያን ዝረጋገፀለን መንግስታዊ ኮለጃት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ዝገለፃ ሓላፊት ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲን ስልጠናን ወ/ሮ ገነት ኣረፈ ነቲ ዘሎ ፀገም በዲህኻ ሓፀርቲ ስልጠናታት ብምሃብ ብቁዕ ዜጋ ምፍራይ ግና ግዜ ዝወሃቦ ዋኒን ከምዘይኮነ ኣረዲኣን፡፡ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ፀገም ንምውፃእ ብሞያን ክእለትን ብቑዕ ዝኾነ ዜጋ እዩ ዘድልያ ዝበላ ድማ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊት ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህዞን ስልጠናን ዶክተር ኣልጋነሽ ተሰማ እየን፡፡

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ ናይ 2016 በጀት ዓመት ተመዘንቲ፣ መዘንቲን ምዘና ማእኸላትን ተግበራዊ ስራሕ ንምስላጥ ኣብ ዝኽእልሉ ጉዳያት ድማ ምስ መድረግቲ ኣከላት ዘትዩ ኣሎ፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleማእኸላት ደኒ ትግራይ ኣብ በልጂም
Next articleኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ንዕላዊ ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።