Home ጥዕና ብተግባር ፋሽስታውያን ኣይንምብርከክን

ብተግባር ፋሽስታውያን ኣይንምብርከክን

846
0

ኩለመዳይ ዕፅዋ ፋሽስታውያን ወረርቲ ዘስዓቦ ዓፀባ ሰብ ሞያ ጥዕና ንተሓከምቲ ግልጋሎት ኣብ ዘይህብሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ ሰብ ሞያ ጥዕና መባእታዊ ሆስፒታል መኾኒ ገሊፆም ፡፡ ብሰንኪ ኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን ፋሽስታውያን ወረርቲ ንባዕሎምን ንስድርኦምን ድራር ምሸት ስኢኖም ንዝከፍአ ፀገምን ጥምየትን ተቃልዖም ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ሰብሞያ ጥዕና ንተሓከምቲ ግቡእ ግልጋሎት ኣብ ዘይህብሉ ብርኪ ከምዝበፅሑን ይኩን እምበር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባር ጀኖሳይድ ከይተንበርከኩ ሕብረተሰቦም ንምግልጋል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘዉ ተዛሪቦም ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ተረዲኡ ህይወት ዜጋታት ከድሕን ከምዝግባእን ዲያስፖራ ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበፅሕ ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ኣብ ምቅላሕ ዘካይድዎ ዘለዉ ኩለመዳይ ቃልሲ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ተላቢዮም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን
Next articleሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ ብቕልጡፍ ክወፅእ ሽዱሽተ ነባራት ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ፀዊዖም፡፡