Home ዜና ‘ብእሽሩሩ መዓንጣይ ሓሪሩ’ ወ/ሮ ማሚት ታደሰ

‘ብእሽሩሩ መዓንጣይ ሓሪሩ’ ወ/ሮ ማሚት ታደሰ

1006
0

ህፃን ቅሳነት ገብረኪዳን ዕትብታ ካብ ዝተቀበረሉ ወረዳ ወልቃይት መረባ ወለዳ ርሒቃ ሕዚ ኣብ መዕቆቢ ማእከል እያ ዘላ። ብሰንኪ እቲ ኲናትን ብድምፂ ከቢድ ብረትን ደንጊፃ ሕዚ ኣብ ስቃይን መከራን ትርከብ፡፡

ህፃን  ቅሳነት ገብረኪዳን ክልተ ዓመት ጌራ ከምህፃን ታተ  ክትብል ኣይተዓደለትን፤  ንቡር  ፍሽክታ ሞሊቁዋ ኣይፈልጥን፤  ኣብ ዝባን ሕቁፊ ኣዲኣ ኮይና ካብ ምብካይን ምንባዕን ወፃኢ ካልእ መማረፂ የብላን። በቲ ድንጋፀን መርዚ እቲ ቑምብላን ሕዚ ርእሳ ካብ ንቡር ቅርፂ ገዚፉ ኣብ ከቢድ ሕማምን ዘየቓርፅ ቃንዛን ዘየቋርፅ ብክያትን  ሓባሲ ዝሰኣነ ንብዓት ኣላ።     

ኣዲኣ ወይዘሮ ማሚት ታደሰ እውን ውነኣን ቀልባን ካብ ዝጠፍኣ ክልተ ዓመት ኣሕሊፋ። ፀገም ቅሳነት ክትፈትሕ ካብ ሽረ እንዳስላሴ ናብ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ እንተከደት እውን ሰብ-ሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል መድሓኒትን መሳርሕን የለን፤ ካብ ዓቅምና ንላዕሊ እዩ ስለ ዝበልዋ  ጓላ ሓዚላ ካብ ምጥባርን መፍትሒ ንዘይብሉ እሽሩሩ ቅሳነት  ጓለይ ንዓኪ ክራሩ መዓንጣይ ሓሪሩ እናበለት ምስኣ ትቅንዘው ኣላ።

ግን ቃንዛ ቅሳነትን ወይዘሮ ማሚትን መዓዝ እዩ ክፍወስ? ሕዚ ህፃን ቅሳነት ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ተቀርቂራ ቀትርን ለይትን ብዘይ ድቃስ ትነብዕ አላ። እዚ ቃንዛ ህፃን ቅሳነት ቃንዛ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ህፃን ብምኳኑ  ነዚ ቃንዛ ዘምፅአ ፀላኢ ክነጥፍእ ይግባእ።

ብጎይተኦም ተከሰተ

Previous article“ሓመድ እዩ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና” ተመዛባሊት ቃፍታ ሑመራ
Next articleዝቕፅል ዘሎ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያ