Home ዜና “ብእከይ ተግባራት ፋሽስታውያን ከይተሰኮና ህዝባዊ ቃልስና ክነሕይል ይግባእ፡፡” ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ...

“ብእከይ ተግባራት ፋሽስታውያን ከይተሰኮና ህዝባዊ ቃልስና ክነሕይል ይግባእ፡፡” ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ

ህዝቢ #ትግራይ ብሰንኪ መንነቱ ብህይወት እንተሎ ብሓዊ ክቓፀል ምግባር ጫፍ ጭካነን ባህግታትን #ፋሽስታውያን ሓይልታት ከምዝኮነን እዚ እከይ ተግባር #ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ከድንን ኢሎም ዝፈፀምዎ እኳ እንተኾነ ፣ ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ በዚ ከይተሰኮነ ቓልሱ ከሕይል ዝገብር ከም ዝኾነ ተገሊፁ። ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ #መቐለ ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ ፋሽስታውያን ፀላእቲ ተላፊኖም ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ #ምድሪ ንምጥፋእ ሐዚ እውን ኣራዊት ኣብ ልዕሊ መሰል ኣራዊት ዘይፍፅምዎ እከይ ተግባራት ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ብምህላዎም፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቱን ውዳበኡን ኣጠናኺሩ ክቃለሶም ይግባእ ኢሎም። ኩሉ ሕብረተሰብ ድማ ህዝቢ ትግራይ መሰል #ዓርሰ ውሳነኡ መሊኡ ክሳብ ዘረጋግፅ ፣ ውሽጣዊ #ሓድነቱ ብምስጣም የካይዶ ንዘሎ ህዝባዊ #ቃልሲ ከሕይሎ ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር ገ/መድህን #መንእሰይ ትግራይ ታሪኽ ኣብ ዝሰርሐሉ ዕድመ ንእስነቱ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምፍንፃሕ ብፅሒቱ ክፍፅም ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ ተላብዮም። ብመርሃዊ ተስፋይ

1175
0
Previous articleኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝኸኣልናዮ ንሓግዝ
Next articleመንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ወሲኑ።