Home ዜና ብእኩይ ተግባር ፋሽስታውያን ሓሪኖም ቃልሶም ከምዘሐይሉ ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ተዛሪቦም

ብእኩይ ተግባር ፋሽስታውያን ሓሪኖም ቃልሶም ከምዘሐይሉ ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ተዛሪቦም

ነበርቲ ወረዳ #ሕንጣሎ ጉጅለ ፋሽስታውያንን #ወረርትን ሓይልታት ንሰላም ቅሩባት ኮይኖም ህዝቢ #ትግራይ ብጥሜትን ኲናትን #ምፅናት ካብ ዝብል ሰይጣናዊ ተግባሮም ዘይእረሙ እንተኾይኖም ሓድነትና ኣጠናኺርና ህላወና ክነረጋጊፅ ኢና ኢሎም፡፡ ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ኣብ ታሪክ #ዓለም ተራእዩን ተሰምዑን ዘይፈልጥን አብ ልዕሊ ሰብ ክፍፀም ኢልካ ዘይሕሰብን ኣረሜናዊ ተግባር ብልፍንታዊያን ወረርቲ ኣብ ክልል #ቤሻንጉል ጉሙዝ አብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም፡፡ በቲ እኩይ ተግባር #ፋሽስታውያን ሓሪኖም ቃልሶም ከሐይሉ ከምዝገብሮም ድማ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም፡፡ ጉጅለ ፋሽስታውያን ንሰላም ቅሩባት ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ብጥሜትን ኲናትን ምፅናት ዝብል ሰይጣናዊ ተግባሮም ኢዶም ዘይእረሙ እንተኾይኖም ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ሓድነቱ ደጀንነቱን ብምጥንካር ህላወኡ ከምዘረጋግፅ ድማ ወሲኾም ኣረዲኦም፡፡ እቶም ነበርቲ ባህጊ ፋሽስታውያን ከይሰምር ህዝቢ ትግራይ ባህሊ #ምትሕግጋዝ ብምዕባይን ንዝተፀገሙ ብምድጋፍን እዛ እዋን ክሰግራ ይግባእ ኢሎም፡፡ ብበላይ ሽፈራው

1264
0
Previous articleብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዝርከብን ህፁፅ መፍትሒ ከምዘድልዮን ዘ-ጋርዲያን ኣቃሊዑ፡፡
Next articleኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝኸኣልናዮ ንሓግዝ