Home ጥዕና ብዓመፅ ማህፀና ዝወረዳ ትግራወይቲ

ብዓመፅ ማህፀና ዝወረዳ ትግራወይቲ

944
0

ፋሽስታውያን ወታሃደራት ማህፀን ትግራወይቲ ብምውራድ ዕስላዊ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝፈፀሙ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ገሊፃ፡፡

ካብ ከተማ ሸራሮ ተፈናቒላ ኣብ ወረዳ መዳባይ ዛና ዝርከቡ ስድራኣ ዝተዓቖበት ንእስቲ ብትእዛዝ  ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብወታሃደራት ተጨውያ ናብ ናቚጥኦም ምስ ተወሰደት ብዕስለ ወታሃደራት ፆታዊ ዓመፅ ከምዝበፀሓ ገሊፃ፡፡

ብ7 ወታሃደራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተዓመፀት እዛ ንእስቲ ማህፀና ብምውራድ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተፈፂሞዋ እዩ፡፡ ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝመፅኡ እዞም ወረርቲ ማህፀን እዛ ንእስቲ ከም ፆታዊ ባርነት ን2 ኣዋርሕ ከምዘራኸስዎ ድማ ኣዘኻኺራ፡፡

እዚ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ፤ ብፍላይ ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ መምርሒ ይወሃብ ከምዝነበረ ትእዛዝ ወርቊ ኣይተነው ተሪር መርትዖ እዩ፡፡

ሕዚ እዛ ንእስቲ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተቃሊዓ እያ። ኣብ ልዕሊኡ እውን መከላኸሊ ጥንሲ ስለዘይነበራ ወሊዳ እያ። ብፍላይ ረኽሲ ማህፀና መድሓኒት ስለዘይረኸበ ኣብ ስቓይ ከምትርከብ ሓቢራ፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleፃውዒት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ
Next articleየኢሮብ ብሄረሰብ ሰቆቃ