Home ማሕበራዊ ብዕፅዋ ነዳዲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ

ብዕፅዋ ነዳዲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ

579
0

ብሰንኪ ፀላእቲ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ዘሎ ዕፅዋ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ተሽከርከርቲ ጠጠው ምባለን ስዒቡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ህዝቢ ካብን ናብን ኣብ ዝገብሮ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተሳጢሑ ከምዝርከብ ዘዘራረብናዮም ኣሽከርከርትን ተገልገልትን ገሊፆም፡፡

እንኮ መፍትሒ እዚ ፀገም ድማ ሓበራዊ ቃልስን ምትሕግጋዝን ጥራሕ ከምዝኾነ እቶም ዘዘራረብናዮም ወገናት ሓቢሮም ፡፡

ኣይተ ዘሚካኤል ገ/መድህንን ቀሺ ገብረ መድህን ገብረህይወትን ንዕለታዊ መነባብርኦም ዘድልይዎም ነገራትን ማሕበራዊ ርክቦም ንምቕፃልን ናብ ከተማ መቐለ ከምዝመፁ ይዛረቡ፤ ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ፀላእቲ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ብዘሎ ዕፅዋ ነዳዲ ተሽከርከርቲ ጠጠው ምባለን ስዒቡ ኣሸምባይዶ ስራሕትና ክነሳልጥ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ንሳጢሕና ኣለና ኢሎም ፡፡ እቶም ወገናት ሓራሳት፣ ነብሰ ፁራትን ዝሓመሙ ወገናትን ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ነዳዲ ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ህይወቶም ከድሕኑ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም ፡፡

ቅድሚ ፀላእቲ ትግራይ ምውራሮም ካብን ናብን ተጓዒዞም ስድርኦምን መነባብሮኦምን ካብ ምምራሕ ሓሊፎም ንሕብረተሰብ ግቡእ ግልጋሎት ብምሃብ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምፍታሕ ይሰርሑ ምንባሮም ዝገለፁ ኣብ መናሃርያ ላጪ ዝረኸብናዮም ኣሽከርከርቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብሰንኪ ዕፅዋ ነዳዲ ስራሕና ጠጠው ኣቢልና ኣብ ፀገም ኣለና፤ ሕብረተሰብ እውን እንተኾነ ብእግሩ ብምጕዓዝ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ተሳጢሑ ይርከብ ኢሎም ፡፡

እንኮ መፍትሒ እዚ ፀገም ድማ ሓበራዊ ቃልስን ምትሕግጋዝን ጥራሕ ከምዝኾነ እቶም ዘዘራረብናዮም ወገናት ሓቢሮም ፡፡

ትግራይ ብፋሽስታውያን ካብ እትውረር ጀሚሩ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ብምግዳድ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ንኸቢድ ዓፀባን ሞትን ተሳጢሑ ከምዝርከብ መረዳእታታት የመላኽቱ፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleማንታ ፀጋ ማንታ ፀገም
Next article”መንግስቲ ትግራይ ምስ ልኡኻት ኣሜርካን ሕብረት  ኣውሮፓን ዘሳለጦ ዘተ ውፅኢታዊ እዩ”