Home ማሕበራዊ ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ

ብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ

913
0

ድሕሪ ስምምዕነት ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ካብ 20 መካይን ወፃኢ ናብ ትግራይ ብመኪና ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይኣተወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡15 መጋቢት 2014 ዓ/ም ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ድሕሪ ዝተኣወጀ ስምምዕነት ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ካብ 20 መካይን ወፃኢ ናብ ትግራይ ብመኪና ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ገይሩ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ እስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ እዋናዊ ቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመስመር ሰመራ -መቐለ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ 20 መካይን ወፃኢ ብመኪና ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምእታው ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ዘራያቱን ከምዝተኸልኸሉ ኣፍሊጦም፡፡ኣቲወን ተባሂለን ሰፊሕ ሽፋን ሚድያ ዝተወሃበለንን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዋዕዋዕታ ዝበዝሐንን እተን 20 መካይን እውን እንተኾነ ድሕሪ ፃንሒት 4 ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ከምዝኾና እቶም ወሃቢ ቃል ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብሰንኪ ስእነት ቐረባት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ምዕፃው ባንኪ፣ኤሌክትሪክ፣ቴሌኮሚኒኬሽንን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን እቲ ዝኣተወ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንምክፍፋል ከቢድ ፈተና ኣጋጢምዎም ከምዝርከብ ድማ ስቴፈን ዱ ጃሪክ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ሕዚ እውን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ሓቢሮም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ካብ ገፀ-መሬት ንምጥፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምኽልኻል ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ምህላው ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ ዋና ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ቀርኒ ኣፍሪካ ላትሺያ ባደር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኩለመዳያዊ ዕፅዋን ክባን ዓለም ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት ዝጠሓሰን ከቢድ ገበን ከምዝኾነን ምግላፀን ይፍለጥ፡፡ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እውን ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝነወሐን ዝኸፈንን ምዃኑ ገሊፆም ፡፡መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ቕነ ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ መግለፂ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ዝተወሰነ ስምምዕነት ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ንፖለቲካዊ ሃልኪ ይውዕል ከምዘሎን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ፅዕንቶ ክፈጥር ከምዘለዎን ምትሕስሳቡ ይዝከር፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

Previous articleፃውዒት ምድሓን ህይወት
Next articleቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ሪፖርት