Home ዜና ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ኣለዎ—-ሴናተራት ኣሜሪካ

ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ኣለዎ—-ሴናተራት ኣሜሪካ

ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ትኹረት ሂቦም ከምዝሰርሑ ኣባላትን ኣመራርሓን ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ገሊፆም፡፡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣትው ብምግባር ሰብኣዊ ሓገዝ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀም ምህላው እቶም ሴናተራት ገሊፆም፡፡ በቲ ኮሜቴ ናብ ዝቕፅል ዙርያ ዝሓለፈ ረቂቅ ሓሳብ S-3199 ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትውን ገበነኛታት ተሓተቲ ዝገብርን ሕጋዊ መስርሕ ከምዝኾነ ድማ እቶም ኣባላት ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣቦመንበር እቲ ኮሚቴ ሴናተር ቦብ ሜንዴዝ፣ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ሴናተራት Jim Rischን Chris Coonsን ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ቅልውላው ትግራይ ኣመልኪቶም ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም ኣለው፡፡ ረቂቅ ሓሳብ ኤስ-3199 ሕጊ ኮይኑ ንክፀድቕ ዝለዓለ ፃዕሪ ዝገብሩ ዘለው ኣቦ መንበር ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ሴናተር Bob Menendez ኣብ መግለፂኦም ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኣልማሚት ቕትለት ብምክያድ፣ ጅምላዊ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ካልኦት ፆታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰት ብምትግባርን ከምኡ እውን ህዝቢ ካብ መረበቱ ብሓይሊ ክመዛበልን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ብምኽልኻልን ከምመሳርሒ ኲናት ከምዝተጠቐመሉ ኣረጋጊፆም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ገበን ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ጀኖሳይድን ከምዝተፈፀሙ እውን ሴናተር ቦብ ሜነንዴዝ ኣረጋጊፆም፡፡ እቲ በቲ ኮሚቴ 20 መጋቢት 2014 ዓ/ም ናብ ዝቅፀል ዙርያ ዝሓለፈ ረቂቅ ሓሳብ ኤስ-3199 እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተፈፀሙ ገበናት ጠጠው ንክብሉን ገበነኛታት ተሓተቲ ዝገብርን ብምዃኑ ድማ ሕጉስ ከምዝኾኑ እቶም ኣቦ መንበር ሓቢሮም፡፡ ሴናተር ቦብ ሜነንዴዝ ቅድም ክብል ምስ NPR ዝተብሃለ ሬድዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ከምዝፈፀሙን ብሽሙ ክፅዋዕ ከምዝግባእን ምግላፆም ይዝከር፡፡ እቲ ረቂቅ ሓሳብ ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ዝሕግዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ኣባል እቲ ኮሚቴ ሴናተር Jim Risch እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ድሕሪ ዝተወሰነ ተፃብኦ ደው ምባል እውን ምምሕያሽ ከምዘየርአየን እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ምህላውን እውን እቶም ሴናተር ሓቢሮም፡፡ እቲ ቅልውላው ብህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ እቲ ረቂቅ ሕጊ ብቀጥታ ገበናት ካብ ዝፈፀሙ ሓይልታት ብተወሳኺ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ዝዝርግሑን ኣብቲ ኲናት ኢዶም ዘእተው ሓይልታት ወፃኢ እውን ተሓተቲ ዝገብር መስርሕ ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡ ንፕረዚዳንት ኣሜሪካ ወኪሎም ናብ ኢትዮጵያ ክመላለሱ ዝፀንሑን እቲ ደማዊ ኲናት ብዘተ መዕለቢ ንክረክብ ይሰርሑ ዝነበሩን ሴናተር Chris Coons እውን እቲ ረቂቅ ሓሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕፅል ዘሎ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንክበፅሕን እወንታዊ ፅልዋ ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ካልእ ኣሜሪካዊ ሴናተር Jeff Merkley ኣብ ቅልውላው ትግራይ ኣድሂቦም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣትው ብምኽልኻል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምመሳርሒ ኲናት ይጥቀም ምህላው ኣረጋጊፆም፡፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ምግቢን መድሓኒትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም፡፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ክኣትዋ ዝግበአን መካይን 700 ከምዝኾና ዝጠቐሱ ሴናተር Jeff Merkley ይኹን እምበር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ናብ ትግራይ ብመኪና ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ኣረዲኦም፡፡ ጉጅለ ኣብይ ናብ ትግራይ ረዲኤት ንክኣትው ክገብርን እቲ ኲናት ብዘተ መዛዘሚ ንክረክብን ክሰርሕ ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ኩለመዳዊ ማዕቐብ ከምዝግበረሉ ኣጠንቂቖም፡፡ ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ

1205
0
Previous articleተሳትፎ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ስራዊት
Next articleክሕደት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ