Home ዜና ብዘይ ሓበራዊ ርድኢት ሃገር ኣይምስረትን

ብዘይ ሓበራዊ ርድኢት ሃገር ኣይምስረትን

756
0

ሓበራዊ ርድኢት ከይሃነፅካ ሓንቲ ሃገር ክትህልወካ ኣይትኽእልን- ዶክተር በያን ኣሰቦ፡፡

ኣሃዳዊያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን  ጨፍሊቖም ከፅንሕዋ ዝክእሉ ሃገር ክትህሉ ከም ዘይትኽእል ነባር መሪሕነት ግንባር ናፅነት ኦሮሞን ምሁር ሕግን ዶክተር በያን ኣሰቦ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጣብያ ቶሌ ዝተፈፀመ መስካሕኽሒ ጨፍጫፍ ኣመልኪቶም ምስ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትወርክ ፃንሒት ዝገበሩ ምሁር ሕግን ነባር መሪሕነት ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ዶክተር በያን ኣሰቦ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀመ መስካሕኽሒ ግፍዒ መቐፀልታ ተስፋሕፋሕቲን ኣሃዳውያን ሓይልታትን ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ብዘይሻራዊ ኣካል ተፃርዩ ፈፀምቲ ገበን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክዳነዩ ይግባእ ዝበሉ ዶክተር በያን ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ሚድያታቱን እቲ ገበን ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝተፈፀመ ንምምሳል ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ድማ ኩለን ንመሰል ህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለሳ ውድባት ንምውንጃል ምዃኑ ኣቃሊዖም፡፡

ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለሳ ኩለን ውድባት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ብሳልሳይን ዘይሻራውን ወገን ክፃረ ፃውዒት ምግባረን፤ ኣብቲ ገበን ኢድ ከም ዘይብለን ዘማላኽት ምዃኑ ዝጠቐሱ ዶክተር በያን፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ፃውዒት ዘይተቐበለሉ ምኽንያት ኣካል እቲ ገበን ምዃኑ መረጋገፂ እዩ፡፡

ብደረጃ ኢትዮጵያ ካብ ኢድ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ወፃኢ እትንቀሳቐስ ዋላ ሓንቲ ትካል የላን፡፡ ትካላት ብሄራዊ መረዳእታ፣ ሲቪል ሰርቪስ፣ ሚዲያታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ደገምቲ ዘረባ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምዃነን ዝሓበሩ ነባር መሪሕነት ግንባር ናፃነት ኦሮሞ ዶክተር በያን፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ኣባገዳታት ከረዩ ዝተፈፀመ ፋሽስታዊ ጨፍጫፍ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝተፈፀመ ኣምሲለን ከቃልሓ ምፅነሐን ኣዘኻኺሮም፡፡

ትካላት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ መሰረት ኢትዮጵያ ዝኾነት ትግራይ መንግስታዊ ጨፍጫፍ ክፍፀም ከሎ መጋደድቲን ተሓባበርቲን ምንባረንን፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝብሕት ንነዘ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍፀም ዘሎ ተደጋጋሚ ጨፍጫፍ ርኤን ከም ዘይረኣያ ክሓልፈኦ ምፅንሐን ዝገለፁ ዶክተር በያን፤ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ በደል ተፈፂሙ ክበሃል ከሎ ጥራይ ጫውጫው ምባለን ድማ መርኣያ ፍሽለተን ምዃኑ ጠቒሶም፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጣብያ ቶሌ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ስዒቡ፤ ኣብ ልዕሊ ክልል ኦሮሚያን ተቓለስቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ኦሮሞን ተኸፊቱ ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ድማ ንዝቖምሉ ስርዓትን ብሄርን ጥራይ ደው ከምዝበላ ዘማላኽት ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ተባሂሉ ልዑል በጀትን ሰራዊትን ወፃኢ ከምዝግበር ዝሓበሩ ዶክተር በያን፤ ኣብታ ሃገር ክፍጠር ዝግባእ ሓበራዊ ርድኢት ስለዘይተፈጠረ ግና ሓበራዊት ሃገር ንምፅናዕ ኣዝዩ እናኸበደ ይኸይድ ምህላዉ ገሊፆም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous article34ኛው የትግራይ ዝክረ ሰማእታት ቀን በጨርጨር ነዋሪዎች ከትግራይ ሰራዊት ጋር በመሆን  ሰማእታትን በሚዘክሩ ሁነቶች  ተከብሮ ውሏል፡፡
Next articleተዘክሮ ዓወት ሰነ 21