Home ዜና ብደም ህዝቢ ትግራይ ዘባጭዉ ደመኛታት

ብደም ህዝቢ ትግራይ ዘባጭዉ ደመኛታት

829
0

ኣብ መበል 15 ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝተረኸበ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሕድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ከይለዓልን ጀኖሳይድ ትግራይ ብምሕባእ፤ ልክዕ ከም ሃ/ስላሰን መንግስቱ ሃ/ማርያምን ብህዝቢ ትግራይ ጠላዕ ንምፅዋት ሰብኣዊ ሓገዝ ግበሩልና ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍሪካ ጠሚቱ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 15 ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝተረኸበ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕድሕድ ኲናት ሓቢኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዘሎ ሓደጋ ድርቂ ንምሽፋን ላዕልን ታሕትን ክብል ተራእዩ፡፡

ብትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ ፃውዒት ብምንፃግ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምቕታል ልዑል ፃዕሪ ዝገበረ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ተረኺቡ ንሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ሓገዝ ክግበር ለምኑልና ዝብል ምሕፅንታ ምቕራቡ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መኽዝናት እኽሊ መሊኦም እናሃለዉ መሕለፊ ስለ ዝተኸልከልና ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ይመውት ኣሎ ብምባል ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ጥርዓን ዘቕረባ ሓላፊት ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሳማንታ ፖወር፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ምህላዉን መንግስቲ ኣሜሪካ ፀቕጢ ክገብር ፃውዒት ምቕራበን ዝዝከር እዩ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ዝተወገዘሉ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያን ጀኖሳይድ ትግራይን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝፀወዖ ጉባኤ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍሪካ ተረኺቡ ከም ኣያታቱ ክሕሱን ክሸፋፍንን ምፍታኑ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ ኮይኑ ኣሎ፡፡ተግባር ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብ1977 ዓ.ም ዝነበረ ድርቂን ኲናትን ክሒዱ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምፅናት ዝተጓየየ መንግስቱ ሃይለማርያምን ብ1966 ዓ.ም ኣብ ትግራይን ወሎን ብድርቂ ዝቕዘፍ ዝነበረ ህዝቢ፤ ዓለም ከይትሰምዖ ብምዕፋን በዓል ልደቶም የኽብሩ ምስ ዝነበሩ ሃይለስላሰን ዘመሳስልዎ ወሃብቲ ርእይቶ እውን ኣለዉ፡፡

ባዕሉ ዝወለዖ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ እናኾነን ኣብ ዙርያ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዘንፀላልወሉ እዋን፤ ኣብቲ ክርከበሉ ዘይግበእ ጉባኤ ተረኺቡ መደናገሪ ሕሶት ዘቕረበ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንድርቂ መፍትሒ ክንገብረሉ ኢና ክብል ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ዘይቃዶ ሓሳብ ከቕርብ ተራእዩ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleምኹላፍ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ዓፋር
Next articleታሪኽን ስቓይን ኣክሱማዊት ክንፈ