Home ዜና ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት...

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንከብቅዕ ርብርብ ክግበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ።

492
0

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንከብቅዕ ርብርብ ክግበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም እውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ከበድቲ ግፍዕታት ይበፅሖ ብምህላዉ እቲ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን እዮም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ።

እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕታት ዝፍፅሙን ይፍፅሙ ዘለዉን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፁ፤ ተሓታትነት ክረጋገፅ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ዝብሉ ፃውዒታት እውን ኣካል እቲ ሰልፊ ምንባሮም ተመልኪቱ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት የብቅዕ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ባይታ ክሕዝ ብዝብል ቐፃሊ ሰልፊ እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።

Previous articleመንግስቲ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣበል ጥሮተኛታትን ክኽፈል ማሕበር ሙሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ፀዊዑ።
Next articleፃውዒት ኣሜሪካ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ