Home ዜና ተመዛበልትና ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ መረበረብቶም ክትምለሱ ንሰርሕ ኣሎና።

ተመዛበልትና ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ መረበረብቶም ክትምለሱ ንሰርሕ ኣሎና።

635
0

ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ካልኦት ኣመራርሓን ኣብ ከባቢ 70 ካሬ መቐለ ተዓቍቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተዘዋዊሮም ህልዉ ኩነታቶም ተዓዚቦም። እቶም ተመዛበልቲ መድሓኒት ኮነ ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ ስለዘይበፅሖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተደራራቢ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ነቲ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊፆምሉ።

እቲ ዘለናሉ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝፍታሕ ናብ መረበትና እንትንምለስ ኢዩ ዝበሉ እቶም ተመዛበልቲ ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀልጢፉ ፀላእትና ክወፁ ብምግባር ናብ መረበትና ክንመለስ ብዕቱብ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ሓቲቶም።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ እቲ ዝበፅሓኩም ዘሎ ፀገማት ከይተሰመዐና ተሪፉ ኣይኮነን እንተኾነ ግና ሐዚ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጀሚርናዮ ዘሎና ልዝብ ስዒቡ ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ኣጠናኺርና እናቐፀልና ፀገማትኩም ክንፈትሐልኩም ኢና ኢሎም።

ብመሰረት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ዉዕሊ ሰላም ኣብ ሉዓላዊ ግዝኣትና ኣትዮም ዝርከቡ ወረርቲ ሓይልታት ቀልጢፎም ክወፁ ብምግባር ኣብ ሓፂር እዋን ኩሉ ተመዛባሊ ናብ መረበቱ ክምለስ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሉዓላዊ መሬቱን ዝተፈፀመ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ከበድቲ ብድሆታት ተፃዊሩ ህይወቱ ንምትራፍ እግሩ ናብ ዝመረሖ ተመዛቢሉ እዩ፣ ከርፋሕ ናብራ እዉን የሐልፍ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ እቲ ተበቲኑ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ናብርኡ ክመርሕ፣ቀረብ መድሓኒትን ምግብን ከይተቖራረፀ ክረክብ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ተካላት ገበርቲ ሰናይን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝተፈለላለዩ እዋናት ኣብ ከም ከተማ መቐለ፣ዓብይ ዓዲ፣ዓዲግራት፣ኣክሱም፣ሽረ እንዳሰላሴን ካልኦትን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ተዘዋዊሩ ኣብ ዝሰርሖም ዜናታት ብሰንኪ ሕፅረት ሰብኣዊ ሓገዝ፣መድሓኒትን ካልኦትን ሓገዛትን ብርክት ዝበለ ተመዛባሊ ግዳይ ሞትን ሕማምን ይኸዉን ከም ዘሎን ዘላቒ መፍትሒ ክግበረሎም ብተመዛበልቲ ዝለዓሉ ጠለባት ኣቃሊሑ ኢዩ። ኣብዚ ዉሽጢ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ከባቢኣን ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት መዕቖቢ ተዘዋዉሩ ምስ ተመዛበልቲ ኣብ ዝገበሮ መሕትት ድማ “ሬሳ እንተይቀበርና ኣይንውዕልን”-ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ 134 ተመዛበልቲ ብንኪ ጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ሞይቶም ኣለው ንሕና እውን ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎና ክብሉ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም ኢዮም። በዚ እዋን እቲ ተጣይሹ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወረርቲ ሓይልታት ተታሒዙ ዘሎ መሬት ትግራይ ሓራ ክወፅእን ናብ መረበቶም ተመሊሶም ህይወቶም ክመርሑ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም ይዝከር።

ገብረመስቀል ኪሮስ

Previous articleሓገዝ ንዉግኣት
Next articleድሮ በዓል ሆሳእና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ማርያም ፅዮን