Home ዜና ተሳትፎ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ስራዊት

ተሳትፎ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ስራዊት

ምሽጥር ዓወት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ብዘካይዶ ዘሎ ዝተዋደደ ቃልሲ ምኻኑ ተጋዳላይ መኮነን በየነ ገሊፁⵆ ተጋዳላይ መኮነን ነዚ ዝገለፀ ዲያስፖራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተቐማጦ ሃገረ ኣውስትራልያ ከተማ ሚልቦርን ንመጠናኸሪ ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ዝለገሰኦ ሓገዝ ኣብ ዝተረከበሉ እዋን እዩⵆ ዲያስፖራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተቐማጦ ሃገረ ኣውስትራልያ ከተማ ሚልቦርን #ንዋዕሮታት ኣባላት #ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ 170 ሽሕ ዝግመት ንዋታዊ ሓገዝ ብተወካሊአን ኣቢለን ለጊሰንⵆ እዘን ግዱሳት ወገናት ክባን ዕፅዋን ስዒቡ ብሰንኪ ሰብ ስራሕ #ጥሜት ዝመውት ውገን ንምድሓን ካብ ዝገብረኦ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ምጥንኻር ደጀንን ግምባርን ስራዊት ትግራይ እውን ብዕቱብ ይሰርሓ ምህላወን ተወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዘበርከቱ ኣይተ ሃይለ ኣብራሃ ተዛሪቦምⵆ እዘን ጀጋኑ ዲያስፖራ ተጋሩ ብተወካሊአን ኣቢለን ኣብ ዘማሓለለፈኦ መልአኸቲ ኩሎም ፀላእቲ ስግኣት ትግራይ ኣብዘይኾንሉ ብርኪ ክሳብ ዝበፅሑ ኣብ ምጥንኻር ደጀንን ግምባርን ከምኡን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ክሳብ ዝረኸቡን ቃልሰን ኣሐይለን ከም ዝቕፅላሉ ሓቢረንⵆ እዘን ንዋዕሮታት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሓገዘን ዝለገሳ ወገናት ግዱሳት ጥራሕ ዘይኮናስ ተቓለስቲ ምኻነን ነቲ ሓገዝ ዝተረከበ ተጋዳላይ መኮነን በየነ ተዛሪቡⵆ ነተን ኣብ ግምባር ናይ ባዕለን ታሪኸ ዘመዝግባ ዘለዋ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣጆዂን ኣብ ጎንኸን ኣለና ምባለን ዝላዓለ ወነን ሕራነን ከም ዝፈጥር ወሲዂ ሓቢሩ ⵆ ምሽጥር ዓወት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ዘይተሓለ ስሙር ቃልሲ ምዃኑ ዝሓበረ ተጋዳላይ መኮነን እንካይዶ ዘለና ህዝባዊ ቃልሲ ከም ህዝቢ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን ስለ ዝኾነ ዲያስፖራ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለው ኩለመዳያዊ ቃልሲ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ፀዊዖምⵆ ብርሃነ መስፍን

1362
0
Previous articleቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)
Next articleብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክኣትው ኣለዎ—-ሴናተራት ኣሜሪካ