Home ዜና ተቓውሞ ኦነግ ንመግለፂ ሕብረት ኣፍሪካ

ተቓውሞ ኦነግ ንመግለፂ ሕብረት ኣፍሪካ

800
0

ሕብረት ኣፍሪካ ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝህቦ ጥብቅና ደው ኣቢሉ ዘይሻራዊ ክኸውን ኦነግ ፀዊዑ፡፡

ሕብረት #ኣፍሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሓፂር ፀብፃብ ኣብ ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሄር ተኮር ኣምሲሉ ምቕራቡ ከም ዘሕዘኖ ዝገለፀ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ/ኦነግ/ እቲ ሕብረት ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብምግዳፍ ንጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ክውግን ኣይግባእን ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣነፂሩ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሄር ተኮር ዘይኮነስ ዘላቒ ፖለቲካዊ ሕቶ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ኲናት ንጎኒ ብምግዳፍ፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኣምሓሩ ጨፍጫፍ ከም ዝተፈፀመ ኣምሲሉ ምቕራቡ መሕዘኒ እዩ ኢሉ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተኣለመ ሽርሒ  ደጊፉ ደው ምባሉን፤ ቅዋም ሒዙ ብፅሑፍ ዕላዊ ምግባሩን ብትሪ ከምዘተቓወሞ ዝጠቐሰ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ፤ እዚ ተግባሩ ኣህጉር ወኪሉ ኣብ ልዕሊ ዝቖመ ዓብይ ትካል ልዑል ጥርጣረ ከም ዝፈጠረ ድማ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያን ካብ ኦሮሚያ ወፃኢን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኦሮሞ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝበፅሖም ዘሎ ግፍዒ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ይሓልፍ ምህላዉ ዝሓበረ መግለፂ ግንባር ነፃነት ኦሮሞ፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣምሓሩ ተቐቲሎም ብምባል ዕላዊ ፀብፃብ ምቕራቡ ነቲ ሕብረት ዘይምጥን ምዃኑ ኣመላኺቱ፡፡

Previous articleስነ-ስርዓት ምትካል ፈልሲ ቀወምቲ ፍረታት
Next articleበፋሽስቱ የአብይ ቡድን እና በደቡብ ክልል የመንግስት ታጣቂዎች በፈፀሙት ጥቃት የበርካታ ሂወት መጥፋቱ ተገለፀ።