Home ዜና ተበግሶ ሰላም ሰራዊት ትግራይ

ተበግሶ ሰላም ሰራዊት ትግራይ

1538
0

ድልየት ሰላም ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ዝኽፈል ዋጋ ክንኸፍል ኢና፡- ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይሰላም መትከላዊ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ምንአተ ሰላም ክብሉ ዝኽፈለ ዋጋ ይኸፍሉ ከምዘለው ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡ንተግበራዊነት ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ብትኹረት ከምዝሰርሑ ዝሓበሩ እቶም ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት እቲ ስምምዕነት ሰላም ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ብዝረጋግፅ ኣገባብ መሊኡ ክትግበር ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡ምስረታ ቀደማይ ዓመት ኣርሚ 26ን ዝኽሪ ሰማእታትን አመልኪቱ ኣብ ዝተደላወ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣበላትን ሰራዊት ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ዝዝተዩ እንትኾኑ ንሙሉእ ትግበራኡ ከምዝረባረቡ ድማ ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ወራር ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዝተወሰደ ተበግሶ ሰላም ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ስምምዕነት ሰላም ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ብዝረጋግፅ ኣገባብ ኣብ ባይታ ወሪዱ ብምሉእነት ክትግበር ይግባእ ኢሎም፡፡ባህጊን ድልየትን ሰራዊት ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝበለ ካብ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋደላይ ሓጎስ ገብረ ብወገኑ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ተጀምሩ ዘሎ እማመ ሰላም ኣብ መፈፀምታ ንክበፅሕ ሰራዊት ትግራይ ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡

ሰላም መትከላዊ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ምንአተ ሰላም ብዙሕ ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ ዝገለፁ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋደላይ ዮሃንስ ወ/ጊርግስን/መዲድ/ ተጋደላይ ምግበይ ሃይለን ድልየት ስላም ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት ኩሉ ትግራይ ሓድነቱ ኣስጥሙ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣገንዝቦም፡፡ ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ህዝቢን ምምሕዳርን ወረዳ ሳምረ ዝተሳተፉ እንትኾኑ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ዝረኣዩ ዘለው ኣወንታዊ ለውጢታት ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ዘላቅነትን ተኣማንነትን ንክህልዎ ብቅልጡፍ ክትግበር ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ብምኽንያት ዝኽረ በዓል 7 ጥሪ ደብረፀሃይ ቅድስት ስላሴ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 1 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡
Next articleሓገዝ ድያስፖራ ትግራይ