Home ዜና ተተሊሙን ኮነ ተባሂሉን ደቂ ትግራይ ዝተጨፍጨፉላ ማይካድራ

ተተሊሙን ኮነ ተባሂሉን ደቂ ትግራይ ዝተጨፍጨፉላ ማይካድራ

1585
0

ወዲ 80 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ኣቦይ ረዳ በርሀ ካብታ ደቂ #ትግራይ ብመንነቶም ጥራሕ ከም እኽሊ ዝተዓፀዱላ ከተማ ማይካድራ ተፈናቂሎም ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ እዮም።

እዞም ኣቦ ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ተተሊሙ ኮነ ተባሂሉ ደቂ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ዝተሓሰበ ሙዃኑ ወታደራዊ መራሕቲ ኣብታ ከተማ ብመኪና እናዞሩ ተጋሩ ክጭፍጨፉ ይእዝዙ ከምዝነበሩ ይምስክሩ።

“ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ናብ ማይካድራ ጥቅምቲ  30/2013 እዮም ኣትዮም፤ ሕዳር 1/2013 ድማ ጣብያ 03ን 04ን ዝብሃል ከባቢ ብዙሕ ህዝቢ ተጨፍጪፉ ሓዲሩ ትግራዋይ እንተኾይኑ ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝተረከበ ይቅተል ነይሩ፡፡ ወጋሕታ ንቤተክርስትያን ክንከይድ እንተወፃና ሓደ ወታደራዊ መራሒ ጀነራል ኣብ ንእሽተይ መኪና ኮይኑ እናዞረ ትግራዋይ ዝኮነ ሓደ ከይትሓድጉ ቅተልዎ ይብል ነይሩ፡፡ እቶም ዝቀትሉ ምሳና ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ #ኣምሓራ ምስ ፋኖ ኮይኖም እዮም ኣብ ዕድመና ንመጀመርታ ግዘ ትግራዋይ ብጉራደ ብካራ ክሳዱ ከም ምሸላ እንትቁረፅ ርኢና”ይብሉ ኣቦይ ረዳ ብጓሂ መዓንጥኦም ሕርር እናበለ እንትፍታፎም ንውሽጢ ውሕጥ እናበሉ።

በዚ ከይኣክል ይብሉ ኣቦይ ረዳ በርሀ  መራሕቲ ሃማኖት ጉልባብ ሃይማኖት ገይሮም “ካብ ገዳም ኢና መፂና ኣምላክ ትግራዋይ ካብ ከባቢኩም ኣፅርዩ ይብል ኣሎ” ስለዝበሉ ካብቲ ናይ መጀመርታ ጨፍጫፍ ተሓቢኦም ዝተረፉ ደቂ ትግራይ ዳግማይ ከም እንስሳ እናተሃደኑ ክጭፍጨፉ ከምዝተገበረ ይዛረቡ።

“ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ተዘሓሒሉ ዝነበረ እቲ ጨፍጫፍ ሓደ ካብ ዋልድባ እየ መፂኤ ባሕታዊ እየ ዝብል መራሒ ሃይማኖት ቢጫ ዝተኸደነ ሚኪኤል መዓልቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ህዝቢ ኣብዝተኣከበሉ ትግራዋይ ኣብ ጥቓኻ ምቅማጥ ማለት ተመን ኣብ ጁባኻ ሒዝካ ምዛር ማለት እዩ ስለዚ ንትግራዋይ ከይተናሕስዩ ኢሉ ድሕሪ ምእዛዝ እቲ ጨፍጫፍ ከምብሓዱሽ ተላዒሉ” ይብሉ።

ብትእዛዝ ወታደራዊ ይኩን ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ነበርቲ ማይካድራ ዘስካሕክሕ ጨፍጨጫፍ ምስተፈፀመ ተጋሩ ሞይቶም እውን ኣሰሮም ከይርከብ ብስም ዝናብ ኣብዩና ኣዕፅምቶም ተኣኪቡ ናበይ ከምዝተወሰደ ኣይፍለጥን ይብሉ ኣቦይ ረዳ

“ክሳብ ሰነ 2013 ዓ/ም ሰብ ምቅታል ነይሩ ብድሕሪኡ ዝናብ ስለዝደንጎየና ሬሳታት ቅበሩ ዝብል ኣዋጅ ተኣዊጁ ትራክተር ዘላቶ መኮና ዘላቶ ኩሉ ሬሳ ምስኣከበ እቲ ሬሳ ናበይ ከምዝተወሰደ እንድዒ ኣይንፈልጥን፡፡ ኩሉ ግን በቲ 50 ቀቢርና በቲ 30 ቀቢርና እናበለ ኣብ ቤተክርስትያን ይዛረብ ነይሩ እንትቅበሩ ዝረአየ ግን የለን” ይብሉ በዓል ፀጋ ዕድመ ኣቦይ ረዳ በርሀ።

ብሃ/ስላሴ ገ/ሚካኤል

Previous articleቃሎም ዝሃቡ ሓመድ ፈሲስዎም፡፡
Next articleብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ቀረብ ምግብን ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ዝወደቀት ንእስቲ