Home ዜና ተኸላ ፈልሲ መራሕቲ ሃይማኖት

ተኸላ ፈልሲ መራሕቲ ሃይማኖት

908
0

ብፀላእቲ ዝበረሱ ኣግራባትን ደንታትን ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ሓምለወይቲ ትግራይ ንምፍጣርን ሓደ ሰብ እንተወሓደ ሓንቲ ተኽሊ ክተከል ከምዝግባእ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ገሊፆም ፡፡

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመፁ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ ክርስትያን ደብረ ገነት መድሃኒ ኣለም ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብምክያድ ኣብ እዋን ክራማት በቢዓመቱ ዝዓረቑ ከባቢታት ብተኽሊ ብምሽፋን ኣብ ምክልኻል ለውጢ ኣየር ዓብይቲ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ ፡፡ ካብዚ ሓልፉ ድማ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ክረክብ ክእሉ እዩ፡፡  

ይኹን እምበር እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ረኽቡ ዝነበረ ሽፋን ደኒ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት በሪሱ እዩ፡፡ ነቲ ዝበረሰ ሃብቲ ደኒ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመፁ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ ክርስትያን ደብረ ገነት መድሃኔኣለም ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም ፡፡ 

ደቂ ሰባት ተኽሊ ከልምዑን ክተኽሉን ከምዝግባእ መፅሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ተዋሂብዎ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት በዚ እውን ኩሉ ሕብረተሰብ ንኣሰር መራሕቲ ሃይማኖት ስዒቡ ሓምለወይቲ ትግራይ ንምፍጣር ሓደ ሰብ እንተውሓደ ሓንቲ ተኽሊ ክተክል ይግባእ ኢሎም፡፡ 

ተኽሊ ምትኻል መርአያ ፅንዓትን ዕብየትን ሓደ ሕብረተሰብ እዩ ዝበሉ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ሐዚ እውን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣካል እቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሱ ገይሩ ብፀላእቲ ዘበረሰ ደኒ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብበላይ ሽፈራው

Previous articleምዕፃው ግልጋሎት ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ
Next articleዝፈረሰ ማሕበራዊ ርክብ ኢትዮጵያ