Home ዜና ተወከልቲ ተመዛበልቲ ወገናት ምስ ተወካሊ ግዝያዊ ምምሕዳርን ቺፍ ካቢኔ ሰክሬታርያትን ትግራይ ኣይተ...

ተወከልቲ ተመዛበልቲ ወገናት ምስ ተወካሊ ግዝያዊ ምምሕዳርን ቺፍ ካቢኔ ሰክሬታርያትን ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዘትዮም፡፡

611
0

ተወከልቲ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ካልኦት ብወረርቲ ዝተትሓዙ ከባብታትን ትግራይ ናብ መረበትና ምለሱና ብዝብል ኣብዘሳለጥዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣድሂቦም ምስ ተወካሊ ግዝያዊ ምምሕዳርን ቺፍ ካቢኔ ሰክሬታርያትን ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዘትዮም፡፡

እቶም ተወከልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተረኺቦም “ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ ቦታና ተመሊስና ሓሪስና ካብ ስእነትን ጥምየትን ክንድሕን ዝግባእ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕዚ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ መሬትና ብዘይምውፅኦም ካብቲ ኣጋጢሙና ዝፀንሐ ከቢድ ጥምየትን ፃምእን ክንድሕን ኣይከኣልናን ኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ ዝወሃባና ዝነበራ ዝተወሰና ሓገዛት ብዝተፈፀመ ስርቂ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ጠቕሊሉ ብምቁራፁ ፀገምና ካብቲ ዝነበሮ ተጋዲዱና ኣሎ ዝበሉ እቶም ተወከልቲ ብተወሳኺ እውን ወቕቱ ክረምቲ ዝኣትወሉ ብምዃኑ ኣብ ኬንዳ ኣፅሊሎም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሓያል ፀገም ኮይኑዎም ከም ዘሎ ገሊፆም፡፡

ስለ ዝኾነ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህፁፅ መፍትሒ ከቐምጥሉን ማሕበረሰብ ዓለም ውዕሊ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ክፍፀም ብምግባር ናብ ቦታና ክመልሱና ንላቦ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ቺፍ ካቢኔ ሰክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፤ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክሳብ ሕዚ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ካልኦት ወሰናወሰን ከባብታትን ክወፁ ኢዩ ዝግባእ ነይሩ ኢሎም፡፡

እንተኾነ ግን መንግስቲ ፌደራል ክሳብ ሕዚ ኣሉታዊ መልሲ እዃ እንተዘይሃበ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዘሎ መሬትና ሓራ ብዘይምውፅኡ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ ቦትኦም ምምላስ ከምዘይተኽኣለን ከምግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና ነዚ ሕቶን ድምፅን ተመዛበልቲ ወገናት ንምምላስ ቀንዲ ቱኽረቱ ገይሩ ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምዝታይ ከምዝተንቀሳቀሰን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ዝምለስሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝረኽብሉን ኩነታት ንምትዕርራይ ይሰርሕ ከም ዘሎን ኣይተ ኣማኒኤል ሓቢሮም፡፡

ነቲ ምስ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩ ዝተልዓለን ዘጋጠመ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝን እውን ዳግም ንክጅመር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ዝምልከቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣብ ምርድዳእ ከምዘሎን ስርቂ ዝፈፀሙ ኣካላት ድማ ተሓተትቲ ንምግባር ብዕቱብ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

Previous articleዘላቒ ሂወት ስድራ ስውኣት፤ ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ብሓፈሻ ሂወት ተጋዳላይ ትግራይ ውሕስ ንምግባር ዓሊሙ ንዝተጣየሸ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ምድጋፍ ሓበራዊ ዕማም ተጋሩ እዩ ኢሎም ኣቦ ወንበር ቦርድ እቲ ኮሚሽን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ
Next articleዑደት ኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ትግራይ