Home ዜና ተደራደርቲ መንግስቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ካብ ዝሃብዎ መብርሂ

ተደራደርቲ መንግስቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ካብ ዝሃብዎ መብርሂ

3629
0
  • ናብቲ ዝርርብ ሰላም ሒዝናዮ ዝተበገስና ዋና ዕላማ ረብሓ ህዝብና ንምርግጋፅ እንትኸውን እዚ ድማ ብዋናነት ቅድሚት ዝመፅእ ምቁራፅ ቶኺሱ ምንባሩ፦
  • እቲ ዝርርብ ሰላም ብዙሕ መንገዲ ዝተጓዓዘን ፈታኒ ኩነት ዝነበሮን ብዝለዓለ ዓቅልን ምይይጥን ናብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምምፅኡ፦
  • ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ጫፍ ክሳብ ዝበፅሕ ኩሉ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ንፃት እውን ክዛናጋዕ ከምዘይብሉ ምኽንያቱ እቲ ዝርርብ ሰላምን ስምምዕነትን ምስ መንግስቲ ፌደራል እምበር ምስ ሻዕብያን ካልኦት ሓይልታትን ስለዘይኮነ፦
  • ሻዕብያን ዕጡቓት ኣምሓራን ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ስምምዕነት ሰላም ከይዕወት ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ይገብሩ ምህላዎም፦
  • ሰላም ስትራቴጅክ ምርጫና እምበር ሐዚ ዘካየድናዮ ስምምዕነት ግዜ መግዚኢ ወይ ድማ ናይ ቃልዓለም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እዚ ስምምዕነት ተግባራዊ ክኸውን መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝለዓለ ሓላፍነት ወሲዶም ክንቀሳቀሱ ከምዝግባእን ዝብሉ ጉዳያት መብርሂ ተዋሂብ ኣሎ ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ኣብ ቴሌቭዥንን ሬድዮን ቴሌቪዥን ትግራይ ክትከታተሉ ንዕድም።  
Previous articleእዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ
Next article”እቲ ስምምነት ሰላም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን እዩ  ስለዚ ነናይ ባዕልና ሓላፍነት ኣለና መንግስቲ ኤርትራን ሓይሊታት ኣምሓራን ምስ ስራዊት ኢትዮጵያን ኮይኖም እዮም ናብቲ ኩናት ኣትዮም።ንዐኦም ናይ ምውፃእን  ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ምኽልኻልን እዩ።” /ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ/