Home ጥዕና ታሪኽን ስቓይን ኣክሱማዊት ክንፈ

ታሪኽን ስቓይን ኣክሱማዊት ክንፈ

787
0

ደቂሳ ኣደዳ ስቃይ ኮይና ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ትርከብ ጓል 15 ዓመት ንእስቲ ኣክሱማዊት ክንፈ

ኣክሱማዊት ክንፈ ትብሃል ኣብ ዞባ ማእኸል ከተማ ኣክሱም ጣብያ ክንደያ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዝተወለደት ጓል 15 ዓመት ንእስቲ እያ፡፡ እዛ ንእስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢሮሞ ብዘለው ዕፅዋን ክባን ንዘጋጠማ ሕማም ልቢ መድሓኒት ስኢና ኣብ ቅድስቲ ማርያም ሆስፒታል ኣክሱም ደቂሳ ኣደዳ ስቃይ ኮይና ኣብ ኣፍ ደገ ሞት ትርከብ፡፡ ናብ’ቲ ሆስፒታል ከይድና ንኣክሳማዊት ክንፈ ኣብ ዘዘራረብናሉ እዋን ድማ ዝስዕብ በለትና፡፡

” ኣነ ሕማመይ ድኻም ልቢ እዩ፤ ካብ ዝሓምም 3 ዓመተ ገይረ ኣለኹ፤ ክልቲኦም ናይ የማንን ፀጋምን ቱቦታት ልበይ ኣይራኸቡን ተዓፅዮም እዮም ዘለው፤ እዚ ሕማም ክሓዊ ዝኽእል ድማ ብመጥባሕቲ እዩ፤ ይኹን እምበር ኣነ መሐከሚ ገንዘብ ስለዘይብለይን እቲ መድሓኒት እውን ኣብ’ቲ ሆስፒታል ስለዘይርከብን ኣብ ፋርማሲታት ከይገዝእ ድማ ክባር ስለዘኾነን ክድሕን ኣይከኣልኩን፤ ናይ መዓልቲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ መዓልቲ ሞተይ እየ ዝፅበ ዘለኹ” ብምባል ትዛረብ፡፡

ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ሕማም ልቢ ድማ “ከብደይ ማይ እናመልአ ክንቀሳቐስ፣ ኮፍ ክብልን ክድቅስን ኣይከኣልኩን፤ ሓደ ሓደ ሻዕ ድማ እቲ ማይ ብኣፈይ እናወፅአ የሸግረኒ፤ ስለዚ ግዝያዊ መፍትሒ ናብ’ዚ ሆስፒታል እናመፃእኹ ብሓደ ጎድነይ ተበጢሐ እናተቐዳሑ እየ ትንፋስ ዝሰርዕ ዘለኹ፤ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ትርከቡ ተጋሩ ኣሕዋተይ ህይወተይ ክተድሕኑለይ ብስም እግዚኣብሄር ይምሕፀነኩም” ትብል፡፡ ወላዲታ ወ/ሮ ኪዳን ወልዱ ድማ “ኣነ ጨኒቑኒ እዩ ዘሎ ስለዚ ሓግዙኒ ህይወት ጓለይ ኣውፅኡለይ” ክብላ ተማሕፂነን፡፡

ሲስተር ኤልሳ በላይ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ሆስፒታል ነዛ ብሕማም ልቢ ተሰኒፋ ኣብ ኣፍ ሞት እትርከብ ንእስቲ ኣክሱማዊት ክንፈ ነቲ ኣብ ከብዳ መሊኡ ዘሎ ማይን ፈሳስን እናቐድሓ እየን ክትትል ዝገብራላ፡፡ሲስተር ኤልሳ በላይ ናይ’ዛ ቆልዓ ዘላትሉ ኣፀጋሚ ኩነታት እንትገልፃ ድማ “ኣብ መዓልቲ 3 ሊትሮ እያ ትቕዳሕ ኣብ ህይወታ ድማ ዓብዪ ሓደጋ በፂሕዋ ኣሎ፤ ስለዚ እዛ ቆልዓ ክትድሕን እትኽእል ብመጥባሕቲ ልቢ ስለዝኾነ ነዚ ዝኸውን መድሓኒት ድማ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ሆስፒታል ኣክሱም ስለዘየለ ካብ ውልቀ ፋርማሲታት ገዚኣ እንተተሓኪማ ግን ክትድሕን ስለትኽል ህፁፅ ገንዘባዊ ሓገዝ ክግበረላ ፀዊዐን”

ብዮዉሃንስ ብርሃነ

Previous articleብደም ህዝቢ ትግራይ ዘባጭዉ ደመኛታት
Next articleወራሪ ስርዓት ኢሳያስ ብሰሜን ምዕራብ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብጅግና ሰራዊት ትግራይ ፈሺሉ