Home ዜና ታሪኽ ኣብ ዘይዕድሚኣን ብዘይድሌታን ኣዶ ክትኾን ዝተገደደት ጓል 16 ዓመት

ታሪኽ ኣብ ዘይዕድሚኣን ብዘይድሌታን ኣዶ ክትኾን ዝተገደደት ጓል 16 ዓመት

2030
0

ነባሪት ወረዳ ፀገዴ ከተማ #ዳንሻ ዝነበረት ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት 8 ክፍሊ ዝኾነት ብገበቲ ፋኖን ፍሉይ ሓይልን  ብዕስለ ብተደጋጋሚ ዝበፅሓ ፆታዊ መጥቃዕቲ ጠኒሳ ብእዋና ሕክምና ክትረክብ ብዘይምክኣላ ድማ ኣብዘይዕድምኣ ኣዶ ክትከውን ዝተፈረደላ ንእስቲ እያ፡፡

እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ናብ ገዝኣ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ምስ 15 ዝዕድሚኣ መሓዝኣ ከምዝረኸብወንን “ኣቦኺ ኣበይ ኣሎ?” ኢሎም ምስሓተትዋ “ሰሊጥ ክዓፅድ በረኻ ከይዱ” ከምዝበለቶምን “ንጁንታ እዩ ዝሕግዝ ዘሎ” ኢሎም ሓሙሽተ ኮይኖም ንክልቲአን ከምዝዓመፅወንን ትዛረብ፡፡ እዛ ሰገን ድሕሪኡ ግና “ድንግል ኣይፀናሕኽናን ድንግልናኺ ንጁንታ ዲኺ ሂብክዮ?” ብዝብል ሕልኩስ ምክንያት ንመሓዛኣ ከምዝቐተልዋ ገሊፃ፡፡

ኣብ’ታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ እንትፍፀም ከምዝረኣየት ምስክርነታ ዝሃበት እዛ ንእስቲ 19 ሕዳር 2013 ዓ/ም ድማ “ትግራይ ተከዘ ምላሽ እዩ” ኢሎም ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝሰጎጉዎምን ኣብ ተከዘ ድማ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ከምዝተቐተሉን እታ ሰገን ትዛረብ፡፡

ዝቐፀለ ስቓይ እዛ ሰገን ካብ ተከዘ ተበጊሳ ናብ ከባቢ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን 5 ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብኦም 20 ወገናት ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከምዝረኸብዎምን ነቶም መናእሰይ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ፈልዮም ብሰደፍ ብረት እናወቅዑ ናበይ ከምዝወሰድዎም ከምዘይትፈልጥን ገሊፃ፡፡   

ነዛ ሰገን ሓዊሱ ነተን 15 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ቁፀሮም ዘይትዝክሮም እናተባረዩ ንሰሙን ዝኣክል ምስኦም ኣፅኒሖም ከምዝዓመፅወንን ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ተወሊዑ ገዲፎምወን ከምዝሃደሙን ሓረስቶት እቲ ከባቢ ከምዘልዓልወንን ትዝክር፡፡

ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ እግሪ ከተማ ዓድግራት ከምዝበፅሐት እትዛረብ እዛ ሰገን ሕክምና ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ዓድግራት ከምዝኸደትን ኣብቲ እዋን 6 ወርሒ ዘቑፀረን ካብ ድሌታ ወፃኢ ዝተፈጥረን ዕሸል ክትሰደድ ከምዘይትኽእል ተነጊሩዋ እንሆ ድማ እታ ቖልዓ ተወሊዳስ ኣዋርሕ ኣቑፂራ ትርከብ፡፡ እዚ ከም ኣብነት ዘልዐልናዮ ታሪክ እዛ ሰገን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘጋጠመን መሪርን በሰላ ዝገደፈን ተጓንፎ እዩ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐን ግፍዒ ኣብ አደባባይ ብምዝራብ እቲ ሓቂ ዓለም ክፈልጥ ክገብራ ከምዝግባእ እትሕብር እዛ ሰገን ንዝበፅሐን ተደጋጋሚ ግፍዕን በደልን ከይኣክል ንዓኣ ሓዊሱ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንዝገደፉለን ቁስልን በሰላን መሐከሚ ተሳኢኑ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐያ ከምዘለዋ ብምርዳእ ማሕበረሰብ ዓለም ሐዚ እውን ፍታሕ ክገብረሉ ፀዊዓ፡፡

ብራሄል ኣረጋዊ

Previous articleኪነ ጥበብ ትግራይን ምዕቃብ ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይን
Next articleጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ይኹን – ቮን ባተን ሞንታግው