Home ማሕበራዊ ቴክኖሎጂካዊ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ

ቴክኖሎጂካዊ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ

955
0

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ 2020 ዓ/ም ግልጋሎት ኢንተርኔት ብምዕፃው ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዒታት ከይስነዱን ካልኦት ከበድቲ ጉድኣታት ከምዝበፅሑን ኣምባሳደር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ገሊፀን፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ 2020 ዓ/ም ግልጋሎት ኢንተርኔት ብምዕፃው ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዒታት ከይስነዱን ግልጋሎት ጥዕና ከቋረፅን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ዕንወትን ግልጋሎት ትካላት ፋይናንስን ክቋረፅን በዚ ድማ ብዙሓት ክህሰዩን ክጠምዩን ክኢሎም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ብዙሓት ድማ ምስ ዝፈትውዎም ስድርኦምን ኣዝማዶምን ክፈላለዩ ተጌሩ እዩ ክብላ ኣብ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ገሊፀን፡፡

እዚ ቴክኖሎጂካዊ ዕፅዋ ተጠቂምካ ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ዓሚቅ ፀገም ክኣትዉን ክጭቆኑን ከምኡውን ካልኦት ማሕበራዊ ፋይናንሳዊን ስነ ኣእምሮኣውን ፀቅጢ ብምግባርን ሚድያ ብምዕፋንን ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ መልክዑ ይትግበር ስለዘሎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ትኹረት ክህቡሉን እዚ ኩነት ክፈቅድ ከምዘይብሉን ክፍለጥ ይግባእ ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ፡፡

Previous articleካብ ቃልሲ ናፅነት ናብ ባርነት
Next articleቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ