Home ዜና ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ነበር ዓቀብቲ ሰላም

ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ነበር ዓቀብቲ ሰላም

543
0

ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ነበር ዓቀብቲ ሰላም

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ነበር ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጽያ ዝኾኑ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ መዕቀቢ ስደተኛታት ንኸቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ከምዝተሳጥሑ ሓቢሮም። ኣብ ሃገራት ሰሜን ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዑቁባ ሓቲቶም ዘዕቀሉ ነበር ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዛጊድ ዘገልገልሉ ክፍሊት ከምዘይተፈፀመሎም ገሊፆም ኣለዉ።

በዙይምኽንያት ድማ ኣብ ኸቢድ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ጢሒልና ንደቅና ቀለብ መክፈሊ ሲኢንና ክብሉ መረረቶም ገሊፆም።ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብመንግስቲ ኢትዮጽያ ኣቢሉ ዝፍፅሞ ክፍሊት ንነበር ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ተጋሩ ከምዘይተኸፈሎም ብሳልሳይ ወገን ንምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ።

መክበርቲ ሰላም ኾይኖም ኣብ ግዝኣት ኣብየ፣ ዳርፉርን ደቡብ ሱዳንን ተዋፊሮም ልኡኽትኦም ኣዐዊቶም ዝተመለሱ እዞም ተጋሩ ብመንግስቲ ኢትዮጽያ ዝተመስረቶም ክሲ እዉን ከምዘይተሰረዘ ኣፍሊጦም እዮም።

ድሕሪ ዉዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኸፈተ ክሲ ገበን ክሕደት ሃገር ክለዓል ተስፋ እኳ እንተነበሮም ዛጊድ ከምዘይተሰረዘ ገሊፆም ኣለዉ።እቶም ነበር ዓቀብቲ ሰላም ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተኸፈተ ክሲ ተሰሪዙ ዘገልገልሉ ክፍሊት ብቁልጡፍ ክፍፀመሎም ሓቲቶም።

ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተላዚቡ ፀገሞም ክፈትሕ ዝሓተቱ ኮይኖም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ጎኖም ደዉ ኢሎም ድምፂ ክኮንዎም ፀዊዖም። ነበር ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ተጋሩ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ንድሕንነቶም ሰጊኦም ኣብ ጎረቤት ሃገራት ዕቁባ ምሕታቶም ዝዝከር እዩ ክብል

#Tigrai Media House ፀብፂቡ።

Previous articleነበርቲ ከተማ መኾኒ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ወፍሪ ፅሬት፣ ምይይጥ፣ ምዉላዕ ጥዋፍን ብምክያድ ዘኪሮም።
Next articleምዉሳኽ ሞት ተመዛበልቲ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ