Home ዜና ”ትምህርቲ ብምጅማርና ሕጉሳት ኢና”-ተመሃሮ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገርሁ ስርናይ

”ትምህርቲ ብምጅማርና ሕጉሳት ኢና”-ተመሃሮ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገርሁ ስርናይ

461
0

ዋላ ስግኣት ፀጥታን ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማትን እንተሃለወና ትምህርቲ ምጅማርና ሕጉሳት ኢና ክብሉ ኣብ ወረዳ እገላ መምህራን ተመሃሮን ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገርሁ ስርናይ ገሊፆም።

ብስንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮረናን ጀኖሳይዳዊ ኩናትን ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ትምህርትና ኣቋሪፅና ሓሰረ መከራ ረኺብና ኢና ፣ሕዚ ብዝተፈጠረ ሰላም ፥ምስ ሕፅረታቱ ትምህርቲ ምጅማሩ ሕጉሳት ኢና ክብሉ መምህራን ፣ ተምሃሮን ወለድን ከተማ ገርሁ ስርናይ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ውዕል ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይምትግባሩ ብስንኪ ወረራ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ስግኣት ኣለና ክብሉ እቶም ወገናት ሓቢሮም።

ሙሉእ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገርሁ ስርናይ ቅድሚ ኩናት ብከይዲ ምምሃር ምስትምሃር መርኣያ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ፀላእቲ ንብረትን መምሃሪ ክፍሊታቱ ዓንዩ ኣብ ፀገም ኮይንና ልዕሊ ትልምና ተምሃሮ ተቐቢልና ነምህር ኣለና ዝበሉ ድማ ምክትል ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ተስፋማርያም ሰንደቕ እዮም።

ኣብ ኩለ መዳይ ቀውሲ ንዘሎው ተማሃሮ ናብ ንቡር ትምህርቶም ክምለሱ ምስ መዳርግቲ ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ መምህር ተስፋ ማርያም ወሲኾም ገላፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ እገላ መምህር መዝገቦ ገብረአናንያ ብወገኖም ብዘይካ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 17 ኣብያተ ትምህርቲ እታ ወረዳ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

ዛጊድ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ፃዕሪ ንዘሎ ኩለ መዳይ ፀገም ብምፅዋር ካብ ዝተተለመ 50 ሚኢታዊ ምዝገባ ተመሃሮ ተወጊኑ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትማር ይሳላጥ ከም ዘሎ እውን መምህር መዝገቦ አረዲኦም።

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleበዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ መርዓ ኣባላት ስድርኦም ወፃእታት ንእንግዶት ምሳሕ ጉድአት ሰራዊት ኣዉዒሎም
Next articleእዚ ስራሕ ኣብ ናብራይ ለውጢ ኣምፂኡለ እዩ- ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈረ መንእሰይ