Home ዜና ትርፈይ

ትርፈይ

1427
0

እዋኑ ወርሒ #ሕዳር 2013 ዓ/ም እዩ ነይሩ፡፡ኣብቲ እዋን ፋሺስት ምምሕዳር ኣራት ኪሎን መላፍንቱን ኣብ ትግራይ ወራር ኣካይዶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኽቡር ህዝቢ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ፈፂሞም፡፡
እቶም ህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ-ገፅ ንምጥፋእ ስሉስ #ሰይጣናዊ ኪዳን ኣሲሮም ካብ ክላሽ ኽሳብ ከበድቲ ኣፅዋራትን ድሮናትን ተዓጢቖም ኣብ ወርሒ ሕዳር #ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ጥሒሶም ወራርን ኵናትን ዝፈፀሙ ጎቦጥቲ ሓይልታት ግዝያዊ ልዕልና ረኺቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣፍሰስዎ ዝትዓጠቕወን ቁምቡላታት ኣፍሲሶምወን ከቢድ #ሃሰያ ድማ ኣሽዒቡ እዩ፡፡
ዋና ሃንድስቲ እዚ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድ ፣ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ከደዓት ጀነራላቶምን ዕሱብ ስራዊቶምን፣ ተስፋሕፋሓይ ሓይሊ ኣምሓራን እንትኾኑ ኣብዚ ደማዊ ኵናት እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብዘይፍላጥ #ምምሕዳር መሓመድ ፋርማጆ ሶማልያ ልዕሊ 3 ሽሕ #ወታሃደራት እንትልእኽ ሕቡራት ዔመራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ድማ ድሮን ብምሃብ ትሳቲፍናሉ እየን፡፡
ከምቲ ወለድና “ዘይሓሰብካዮ ርኻብስ ኣይመርገም ኣይምረቓ’’ ዝበሃልዎ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ በደል ዘይብሉ በዞም ወረርቲ ሓይልታት ሓደ ብሓደ ክውሕድ ተፈሪድዎ ዘይሓሰቦን ዘይገመቶን ናጤባ ወረዶ፡፡
ኣብዚ #ጀኖሳይዳዊ ኵናት ብደብዳብ ነፋርቲን ድሮንን፣ ብከበድቲ ኣፅዋራት ብርክት ዝበለ ትግራዋይ #ህይወቱ እንትስእን ቁፅሩ ዘይነዓቕ ድማ ኣካሉ ጎዲሉ እዩ፡፡ ንብረታት ተጋሩ ዓንዮምን ተጓሒሎምን፣ ኣዴታት፣ ኣቦታትን መናእስያት ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ተቐንፂሎም ደቂ ኣንስተዮ ትግራይ ብሰይጣናዊ ባህሪን ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ጭካነን ተደፊረን #ኮታስ ማህፀን ትግራይቲ ከምክኑ ዘይፀዓርዎ ነገር የለን፡፡ ኣብ መሬት ትግራዋይ ዘይተዘረበ እምበር ዘይተገበረስ ኣይነበረን፡፡
ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም እቶም ወረርቲ ግዝያዊ ወታድራዊ ልዕልና ርኺቦም ናብ ማእኸል ትግራይ እናኣተዉ ምስ ከዱ ብብዝሒ ነባሪ ናብ ዝርከበሉ #ከተማታትን ካባቢኤንን ስኒ የበለይ ዓይኒ የብለይ #ቁምቡላታት ናይተን ዝተዓጠቕወን ከበድቲ ኣፅዋራት ብበዝሒ የወንጭፉ ነይሮም።

ጥንታዊት ከተማ #ኣክሱምን ከባቢኣን እዉን እዚ ዕፃ በፂሕዋ ካብቶም ወረርቲ ዝትወንጨፉ ኸበድቲ ብረታት ብዘይምቁራፅ እናዘንባ ስለ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ #ህይወት ሰብ ግዳይ ሞት መጉዳእትን ዕንወትን ኮነ ነባሪ ከተማ #ኣክሱም ህይወት ንምውሓስ ንብረቱ ራሕሪሑ እቲ ዝኸኣለ ይሃድም እቲ ክሳለ ዘይክኣለ ዓቕመ ደካማ ድማ ንፈጣሪኡ እናተማሕፀነ ኣብ ዘለዎ ክፀንሕ ግድን ኮነ፡፡

ኣብቲ ሾዑ ከተማ ኣክሱም ከም ዶፍ ዝዛንብ ዝነበረ ከበድቲ ብረታት ሓመዳ ንላዕሊ ክሳብ ዝግልበጥ ኮነ ሰባት ይሞቱ ኣካሎም ይጎድሉ ህንፃታት ብበዝሒ ይዓኑ ነበረ፡፡
ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብዓይኒ ዑሙተይ ዘወንጭፍዎ ዝነበረ ከበደቲ #ብረታት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ይዓልቡ ስለ ዝነበሩ ስድራ ቤት ተስፋይ ተዓቂቦምላ ዝነበረት ገዛ ሃንደበት ካብቲ ዝወርወር ዝነበረ ከበድቲ ብረታት ዓለባ ዘይተገመተ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘሕዘን ክስተት ድማ ተፈጠረ ።
ኣብታ ገዛ ተዓቒቦም ካብ ዝነበሩ ስድራቤት ኣይተ ተስፋይ ብዓልቲ ቤቱ ሓማቱን ፣ንእሽቶይ ወዱን ሽዑንሽዑ ትንፋሶም ሓለፈት፡፡ እንኮ ጓሉ ቤተልሔም ግና በቲ ዝተወርወረ ከበድቲ ብረት ብኣሰቃቒ ኩንታት ክልተ ኣእጋራ ሰኣነት ጓል 6ተ ዓመት ቤተልሔም ብኣፀዋውዓ ወለዲኣ ትርፈይ ካብ ብሱል ጥረ ከምዝተብሃለ ንክትሓስቦን ክትግምቶም ዝኸብዱ ካብ ከቢድ መፃብቦ ብሓይሊ ፈጣሪ ጨና ወለዲኣ ክትከውን ክልተ ኣእጋራ ሲኢና ብሂወት ከምዝተረፈት ወላዲ ኣቦኣ ተስፋይ ነቲ ዝሓለፈ ኣስካሕካሒ ግዜ ሓዘን ብዝተመልኦ ኣንደበት ገሊፁ፡፡
ድሕሪ ነቲ ዝተፈጠረ ከቢድ ሓደጋ ወለዲ #ቤተልሔም ነታ ክፋል ኣብራኹ ዝኾነት ቤተልሔም ሕክምና ንምርካብ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ኣብ ከተማ ኣክሱም ድሕሪ ብዙሕ ከርተት ክትሕከም ከምዝከኣለት ይገልፅ፡፡
ብተወሳኺ እውን ነቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ዓለም ንከይፈልጦ ብወገን ፀላኢ ይከተተልዎምን የፈራርሕዎምን ከምዝነበሩ ሂወት ኣቦን ጓልን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ምንባሩ ወላዲ #ቤተልሄም ብዝርዝር ገሊፅልና፡፡
እታ ትማሊ ማዕረ መዛኑኣ ብክልተ ኣእጋራ ትጎይ ዝነበረት ቤተልሔም ሐዚ ከምመሓዙታ ኣእጋራ መሊኣ ክትረግፅ ዘይካኣለት ብሰንኪ ሚሒር ፀላእቲ ህዝቢ #ትግራይ ዝኾኑ ኣብይን ኢሳያስን ኮይኑ መፃኢ ሂወት እዛ ዕሸል ክኸብድ ሸክሚ ወላዲኣ ክዛይድ ኮታስ እዛ ስድራ ቤት ናብ ደልሃመት ፀላም ሽመምዎ ይርከቡ።
እዚ ግፍዒ ካብቲ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፈፀመ ከቢድ ተግባራት #ጀኖሳይድ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። ግፍዕን በደላትን እዞም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተዛሪቡ ዝውዳእ ኣይኮነን ። ኣብ ልዕሊ #ቤተልሔምን ስድራ ቤታን ዝተፈፀመ መስካሕክሒ ፍፃመ ሕድሕድ ገዛ ትግራይ ይቑፀሮ እንበር በብገዝኡ ንክትሰምዖ ዘሰንብድ ዘሐዝን ታሪኽ ተፈፂሙ እዩ፡፡ ይፍፀም እውን ኣሎ፡፡
እዚ #ሰይጣናዊ ተግባር ፀላእቲ ንኸይቃላዕ ኣብ ዝገርዎ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ተስፋይን ጓሉ ቤተልሔምን ካብዞም ፀላእቲ ንምኽዋል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ይንከላበቱን ካብ ፃላኢ ይሕብኡን ነይሮም፡፡ ፀላኢ ብወገኑ እዛ ብሂወት ዝተረፈት #ህፃን ዓሽራኣ ንምጥፋእ ንኣቦን ጓልን የሳድዶም ከምዝነበረ ተስፋይ ይዝከር።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ #ግንቦትን ስነን 2013 ዓ/ም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብጅግና #ሰራዊት ትግራይ ተፀፊዖም ካብ ኣብዝሓ መሬት #ትግራይ ድሕሪ ምውፃእ ግና ኣይተ ተስፋይ ነቲ ምስ ጓሉ ዘሕልፎ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ሳላ ስላም ዝተረኸበ ብሰናይ ኣተሓሳስባ ተጋሩ ሰብ ሰራሕ እግሪ ተገጢሙላ ልክዕ ከምተን መሓዙታ ብክልተ ኣእጋራ ደው ምባልን ምንቅስቃስን ክኢላ ኣላ፡፡
ተስፋይን ጓሉ ቤተሊሄምን ካብቲ ዝነበርዎ ኣዝዩ ፈታኒን ከቢድ መፃብቦ ወፂኦም ብነፃነት ንኸነብሩ ምእንተ ውፁዕ ህዝቢ ሂወቶም ከይሰስዑ ኣብ ግንባር ተሰሊፎም ዘለዉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ከይቆሮም ኢሎም ብግዲኦም ናይ ኮቦርታ ሓገዝ ኣወፍዮም ኣለዉ፡፡
ወላዲ ቤቴሊሄም ነቶም ዝደገፍዋን ዝሓገዝዋን ብምምስጋን ሰራዊት ትግራይ ሙሉእ ዓወት ዘመዝግበሉ ጊዜ ድማ ቀረባ እዩ ይብል፡፡
ብኤፍሬም ገ/ኺዳን

Previous articleስራሕቲ ምርምር ዩንቨርስቲ ኣክሱም
Next articleእቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ሃሳዉያን ንዓመታት ዝዘርእዎ ፅልኢ እዩ ክብሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡